-
ዘሌዋውያን 23:27-31መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
27 “ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፡ መዓልቲ ዕርቂ እያ።+ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣ ርእስኹም ኣሕስሙ፡*+ ንየሆዋ ድማ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። 28 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ። 29 በታ መዓልቲ እቲኣ ርእሱ ዘየሕስም* ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።+ 30 በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ዚዓዪ ሰብ* እውን፡ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸጥፍእ እየ። 31 ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ዅሉ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ።
-