20 ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተመባጽዐ፦ “ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጕዕዞይ ከኣ እንተ ሓልዩኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፡ 21 ናብ ቤት ኣቦይ እውን ብደሓን እንተ ተመሊሰ፡ ሽዑ የሆዋ ብርግጽ ኣምላኸይ ኪኸውን እዩ። 22 እዛ ሓወልቲ ገይረ ኣቚመያ ዘለኹ እምኒ ኸኣ፡ ቤት ኣምላኽ ክትከውን እያ፣+ ኣነ ድማ ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ብርግጽ ዕሽር ክህበካ እየ።”