ዘዳግም 23:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 “ንየሆዋ ኣምላኽካ መብጽዓ እንተ ተመባጺዕካ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ብርግጽ ካባኻ ኺደልዮ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካስ፡+ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ መዝሙር 116:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቡ፡ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ።+ መዝሙር 119:106 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 106 ንቕኑዕ ፍርድታትካ ኽሕሉምሒለ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ። መክብብ 5:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ኣምላኽ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፡+ ንዕኡ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ።+ ማቴዎስ 5:33 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 33 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘መብጽዓኻ ንየሆዋ* ሃብ ደኣ እምበር፡ ብኸንቱ ኣይትምሓል’+ ከም እተባህሎም እውን ሰሚዕኩም ኣለኹም።