ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘጸኣት 29:27, 28
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 27 ካብቲ ንኣሮንን ንደቁን ዝቐረበ ድማ፡ ነቲ ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ነቲ እግሪ እቲ ኻብ ድዑል ሽመት+ ተወሲዱ እተወዝወዘ ቅዱስ ግደን ቀድሶ። 28 ቅዱስ ግደ እዩ እሞ፡ ብእስራኤላውያን ብናይ ሓዋሩ ስርዓት ዚፍጸም ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ይኹን፣ ካብ እስራኤላውያን ዚውሃብ ቅዱስ ግደ ኸኣ ይኹን።+ እዚ ኻብቲ መስዋእቲ ሕብረቶም ንየሆዋ ዚኸውን ቅዱስ ግደ እዩ።+

  • ዘሁልቍ 18:8
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 8 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓይ ዚውሃብ መባእ ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ።+ ካብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ዚህብዎ ቕዱስ ነገር ሓደ ግደ ንዓኻን ንደቅኻን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ሂበካ ኣለኹ።+

  • ዘዳግም 18:3
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 3 “ካብቲ ህዝቢ ንኻህናት ዚግባእ እዚ ይኹን፦ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ዚስውእ፡ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን ንኻህን ይሃብ።

  • ህዝቅኤል 44:29
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 29 መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን+ ኪበልዑ፡ ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዅሉ ኸኣ ናታቶም ኪኸውን እዩ።+

  • 1 ቈረንቶስ 9:13
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 13 እቶም ቅዱስ ዕዮ ዚዓይዩ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ብስሩዕ ዜገልግሉ እውን ካብቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ