ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 23:40
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 40 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ፍረ ብሉጽ ኣእዋም፡ ማለት ጨናፍር ኣእዋም ስየን+ ጨናፍር ልሙዕ ኣእዋምን ኣእዋም ዓራባ ስንጭሮን* ወሲድኩም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ሸውዓተ መዓልቲ+ ተሓጐሱ።+

  • ዘዳግም 12:12
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 12 ንስኻትኩም፡ ኣወዳትኩም፡ ኣዋልድኩም፡ ተባዕትዮ ባሮትኩም፡ ኣንስትዮ ባሮትኩም፡ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ስለ ዘይተዋህቦ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም* ዘሎ ሌዋዊ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ተሓጐሱ።+

  • ዘዳግም 12:18
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 18 ነዝስ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ዘሎ ሌዋውን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ደኣ ብልዓዮ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ተግባራትካ ኽትሕጐስ ኢኻ።

  • ዘዳግም 14:23
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 23 ንየሆዋ ኣምላኽካ ምፍራህ ወትሩ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡+ ዕሽር እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኸብትኻን ጤለ በጊዕካን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብታ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ብላዕ።+

  • ዘዳግም 14:26
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 26 በቲ ገንዘብ ድማ ዝበሃግካዮ* ዘበለ፡ ማለት ከብትን ኣባጊዕን ኣጣልን ወይንን ካልእ ኣልኮላዊ መስተን ባህ ዝበለካ* ዅሉን ዓድግ፣ ንስኻን ቤተ ሰብካን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብኡ ብልዓዮን ተሓጐስን።+

  • መዝሙር 32:11
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 11 ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም፣

      ኣቱም ቅኑዕ ዝልቦም ኵልኹም፡ እልል በሉ።

  • መዝሙር 100:2
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    •  2 ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ።+

      ናብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።

  • ፊልጲ 4:4
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 4 ኵሉ ሳዕ ብጐይታ ተሓጐሱ። ደጊመ፡ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ