34 “ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ እቲ፡+ ኣነ ነቡካድነጻር ናብ ሰማያት ጠመትኩ፣ ኣእምሮይ ድማ ተመልሰለይ። ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፡ መንግስቱ እውን ንውሉድ ወለዶ እዩ እሞ፡ ነቲ ልዑል ወደስክዎ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ እውን ውዳሰን ክብርን ሃብክዎ።+ 35 ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ኸም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን እዮም፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሰማያትን ነበርቲ ምድርን ከኣ ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ኪዓግቶ ወይ ‘እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧’ ኪብሎ ዚኽእል እውን የልቦን።+