14 እቶም ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ መጹ፣ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ድማ ዓለቡ።+ ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ፣+ ክንዳኡ ዝምብዛሖም ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበሩን፡ ብድሕሪኡ እውን ከማታቶም ዝበሉ ኸቶ ኣይኰኑን። 15 ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደንዋ፣ ምድሪ እውን ጸልመተት። ንዅሉ ኣትክልቲ ምድርን ንዅሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ፍረ ኦምን ድማ በልዕዎ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ኦም ወይ ኣብ ኣትክልቲ መሮር ገለ ለምለም እኳ ኣይተረፈን።