ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 24:12, 13
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 12 ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣዲኡን ገላዉኡን መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጸ፣+ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሻምነይቲ ዓመት ንግስናኡ ማሪኹ ወሰዶ።+ 13 ካብኡ ድማ ኵሉ መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ወሰደ።+ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝገበሮ ኣቕሑ ወርቂ ቘራረጾ።+ እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ዀነ።

  • መዝሙር 74:3
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    •  3 ስጕምትኻ ናብቲ ናይ ሓዋሩ ዑናታት ኣቕንዕ።+

      ጸላኢ ነቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዅሉ ኣዕንይዎ።+

  • መዝሙር 74:7
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    •  7 ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ።+

      ነቲ ስምካ ዚጽውዓሉ ማሕደርካ ናብ ምድሪ ደርብዮም ኣርኪሶምዎ።

  • ድጕዓ 1:10
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 10 ተጻራሪ ኣብ ኵሉ እቲ ኽቡር መዛግብታ ኢዱ ኣንቢሩ።+

      እቶም ብዛዕባኦም ናብ ጉባኤኻ ኸይኣትዉ ዝኣዘዝካ ኣህዛብሲ

      ናብ መቕደሳ ኺኣትዉ ርእያ እያ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ