-
2 ዜና መዋእል 36:17-19መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 ስለዚ፡ ንንጉስ ከለዳውያን ኣንጻሮም ኣደየቦ፣+ ንሱ ኸኣ፡ ኣጕባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም+ ብሰይፊ ቐተለ፣+ ንጐበዝ ኰነ ንድንግል፡ ንዓብዪ ዀነ ንኣረጊት ኣይራሕርሐን።+ ኣምላኽ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ።+ 18 ዓብይን ንእሽቶን ዘበለ ዅሉ ኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ንጉስን መሳፍንቱን፡ ኰታስ ኵሉ ናብ ባቢሎን ወሰደ።+ 19 ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንደዳ፡+ ንመካበብያ የሩሳሌም ኣፍረሶ፡+ ንዅሉ እተዓርደ ግምብታታ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኵሉ ኽቡር ነገር ድማ ኣጥፍአ።+
-