መዝሙር 112:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ንቕኑዓት ከኣ፡ ኣብ ጸልማት ከም ብርሃን ይበርሃሎም።+ ח [ሔት] ርሕሩሕን* መሓርን+ ጻድቕን እዩ። ምሳሌ 4:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብሩህ ብርሃን ወጋሕታ እያ፣ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚቐትር ከኣ እናበርሀት ትኸይድ።+ ኢሳይያስ 30:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ብርሃን ምልእቲ ወርሒ ኸኣ ከም ብርሃን ጸሓይ ኪኸውን እዩ፣ በታ የሆዋ ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዝንነላን+ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላን+ መዓልቲ ድማ፡ ብርሃን ጸሓይ፡ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ሸውዓተ ዕጽፊ ኪኸውን እዩ።+ ሚክያስ 7:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ንዕኡ በዲለዮ እየ እሞ፡+ንጕዳየይ ክሳዕ ዚማጐተለይን ፍትሒ ኽሳዕ ዘውጽኣለይንነድሪ የሆዋ ኽጸውር እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዩ፣ጽድቁ ኽርኢ እየ።
26 ብርሃን ምልእቲ ወርሒ ኸኣ ከም ብርሃን ጸሓይ ኪኸውን እዩ፣ በታ የሆዋ ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዝንነላን+ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላን+ መዓልቲ ድማ፡ ብርሃን ጸሓይ፡ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ሸውዓተ ዕጽፊ ኪኸውን እዩ።+