መዝሙር 119:82 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 82 “መዓስ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧” እናበልኩ፡+ኣዒንተይ ንቓልካ ይናፍቓ ኣለዋ።+ መዝሙር 130:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡+እወ ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡ንየሆዋ ተሃንጥየ ኽጽበዮ እየ።*+ ድጕዓ 3:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 የሆዋ ብእኡ ተስፋ ንዚገብር፡+ ንዚደልዮ ሰብ* ሰናይ* እዩ።+ ሚክያስ 7:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ኣነ ግና ናብ የሆዋ ኽጥምት፡+ንኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክጽበዮ* እየ።+ ኣምላኸይ ኪሰምዓኒ እዩ።+