መዝሙር 46:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ኣምላኽ ያእቆብ እምባና* እዩ። (ሴላ) ሮሜ 8:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ደኣ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧+ እብራውያን 13:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ስለዚ፡ ተቢዕና፡ “የሆዋ* ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ክንብል ንኽእል ኢና።+