ዘዳግም 30:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 እዚ ኪኸውን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ድምጹ ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ።+ ንሱስ ህይወትካ እዩ፡ ብእኡ እውን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብር ኢኻ።”+ መዝሙር 37:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 እኩያትሲ ኺጠፍኡ እዮም፣+እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም።+ ምሳሌ 2:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ከመይሲ፡ ቅኑዓት ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፣መንቅብ ዘይብሎም* ከኣ እዮም ኣብኣ ዚተርፉ።+ ማቴዎስ 5:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 “ልኡማት*+ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።+
20 እዚ ኪኸውን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ድምጹ ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ።+ ንሱስ ህይወትካ እዩ፡ ብእኡ እውን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብር ኢኻ።”+