ኤርምያስ 10:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ኦ ንጉስ ኣህዛብ፡+ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ካብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ካብ ኵለን መንግስትታቶምንሲ፡ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+ ዘካርያስ 14:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺነግስ እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ሓደ ኪኸውን፡+ ስሙ እውን ሓደ ኪኸውን እዩ።+