1 ዜና መዋእል 16:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ምድሪ እውን ባህ ይበላ፣+ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ‘የሆዋ ነጊሱ!’ ይበሉ።+ መዝሙር 96:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ “የሆዋ ነጊሱ!+ ምድሪ* ጸኒዓ እያ፡ ኣይትነቓነቕን* እያ። ንህዝብታት ብቕንዕና ኺፈርዶም* እዩ” በሉ።+ መዝሙር 97:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 97 የሆዋ ነጊሱ!+ ምድሪ ትተሓጐስ።+ እተን ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበለን።+ ራእይ 19:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ከም ድምጺ ብዙሓት ህዝብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ድማ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡+ ንያህ ወድስዎ!*+
6 ከም ድምጺ ብዙሓት ህዝብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ድማ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡+ ንያህ ወድስዎ!*+