እዮብ 14:1, 2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 “ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ሓጺር ዝዕድሚኡን+ ሽግር ዝመልኦን* እዩ።+ 2 ከም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ይጽምሉ* ኸኣ፣+ከም ጽላሎት ይሃድም፡ ይጠፍእ ድማ።+ መዝሙር 90:5, 6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ትዅስትሮም፡+ ከም ድቃስ ይዀኑ፣ንግሆ ኸኣ ከምቲ ዚበቍል ሳዕሪ እዮም።+ 6 ንግሆ ይዕምብብን ይልምልምን፣ንምሸቱ ግና ይጽምሉን ይነቅጽን።+