10 ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣነ ንጊልያይ+ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ አምጽኦ ኣለኹ፣ ንዝፋኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሓባእክወን ኣእማን ከንብሮ እየ፣ ንጉሳዊ ድንኳኑ ድማ ኣብ ልዕሊአን ኪዝርግሕ እዩ።+ 11 መጺኡ ኸኣ ንምድሪ ግብጺ ኺወቕዓ እዩ።+ ንመቕዘፍቲ እተባህለ ንመቕዘፍቲ፡ ንምርኮ እተባህለ ንምርኮ፡ ንሰይፊ እተባህለ ንሰይፊ ኪኸውን እዩ።+