24 ናብ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ድማ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ወቕዕዎም፡ ንሳቶም እውን ካባታቶም ሃደሙ።+ ንሞኣባውያን እናወቕዕዎም ከኣ፡ ናብ ሞኣብ ገስገሱ። 25 ሽዑ፡ ከተማታት ኣፍረሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ናብ ጽቡቕ ግራት ዘበለ እምኒ ብምድርባይ፡ ብኣእማን መልእዎ፣ ዓይኒ ማይ ዘበለ ድማ ደበዩ፣+ ጽቡቕ ኦም ዘበለ እውን ቈረጹ።+ መካበብያ ኣእማን ቂር-ሓረሰት+ ጥራይ ደው ኢሉ ተረፈ። ወንጨፍቲ ኸኣ ከቢቦም ወቕዕዋ።