4 ሔስቦንን ኤልዓለን+ የእውያ ኣለዋ፣
ድምጸን ክሳብ ያሃጽ+ ይስማዕ ኣሎ።
ስለዚ፡ ዕጡቓት ሞኣብ ይጭርሑ ኣለዉ።
ንሱ የንቀጥቅጥ ኣሎ።
5 ልበይ ንሞኣብ የእውየላ ኣሎ።
ህዱማታ ኽሳብ ጾዓርን+ ኤግላት-ሸሊሽያን+ ሃዲሞም ኣለዉ።
ኣብ ዓቐበት ሉሒት ኪድይቡ ኸለዉ ይበኽዩ፡
ናብ ሖሮናይም ኣብ ዚወስድ መገዲ እውን በቲ መዓት የእውዩ ኣለዉ።+
6 ማያት ኒምሪምሲ ነጺፉ፡
ሳዕሪ ኸኣ ነቒጹ፣
ሳዕሪ ተወዲኡ፡ ሓምላይ ዘበለ እውን ኣይተረፈን።