ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 25:12, 13
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 12 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኤዶም ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ሕነ ፈድዩ እዩ፣ ሕነ ብምፍዳዩ ኸኣ ዓብዪ በደል በዲሉ ኣሎ፣+ 13 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን ማልን ድማ ካብኣ ኽምንቍስ እየ፣ ከባድማ እውን እየ።+ ካብ ቴማን ክሳብ ዴዳን፡ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+

  • ህዝቅኤል 35:10, 11
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 10 “የሆዋ ኣብኡ ኸሎስ፡ ‘እዞም ክልተ ኣህዛብ እዚኦምን እዘን ክልተ ሃገራት እዚአንን ናተይ ኪዀኑ እዮም፡ ንኽልቲኦም ከኣ ክንርስተዮም ኢና’+ ስለ ዝበልካ፡ 11 ‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣነ ኸምቲ ጸሊእካዮም ብቝጥዓን ብቕንእን ዝገበርካዮ ነገር፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ፣+ ምስ ፈረድኩኻ ድማ፡ ኣባታቶም ርእሰይ ከፍልጥ እየ።

  • ኣሞጽ 1:11
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 11 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

      ‘ንኣሕዋቱ ብሰይፊ ሰጒጕዎም፡+

      ከይምሕሮም እውን ኣብዩ እዩ፡

      ብቝጥዓኡ ብዘይምቍራጽ ቀዳዲድዎም፡

      ብቐጻሊ እውን ነዲሩ እዩ እሞ፡+

      ስለ ሰለስተ በደል ኤዶም፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ