-
ኤርምያስ 28:1-4መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
28 በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ መጀመርታ ንግስና ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ነብዪ ሓናንያ ወዲ ዓዙር ብዓል ጊብዖን+ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዚ በለኒ፦ 2 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ።+ 3 ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡* ኵሉ እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብዚ ቦታ እዚ ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽመልሶ እየ።’”+ 4 “‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፡ ንየኮንያ+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳን ንዅሎም እቶም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ምሩኻት ይሁዳን+ ከኣ ክመልሶም እየ’ ይብል የሆዋ።”
-