ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 11:5
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 5 ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣሽቶረት+ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያንን ሰዓበ።

  • 1 ነገስት 11:7
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 7 ሽዑ፡ ሰሎሞን ንከሞሽ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ኣብ ዘሎ ኸረን፡ በሪኽ ሰርሓሉ፣+ ንሞሌኽ+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያን እውን ከምኡ ሰርሓሉ።+

  • መዝሙር 106:35
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 35 ምስቶም ኣህዛብ ደኣ ተሓዋወሱ፣+

      መገድታቶም ከኣ ተማህሩ።+

  • መዝሙር 106:36
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 36 ንጣኦታቶም ድማ የገልግልዎም ነበሩ፣+

      ንሳቶም እውን መፈንጠራ ዀንዎም።+

  • ኢሳይያስ 57:7, 8
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    •  7 ኣብ ልዑልን በሪኽን ከረን ዓራትኪ ኣዳሊኺ፣+

      መስዋእቲ ኽትስውኢ እውን ናብኡ ደዪብኪ።+

       8 ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ጌርኪ።

      ንዓይ ሓዲግኪ ተቐሊዕኪ።

      ደዪብኪ ዓራትኪ ኣርሒብኪ።

      ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቲኺ።

      ምሳታቶም ኣብ ዓራት ምድቃስ ፈቲኺ፣+

      ብልዕቶም ከኣ ጠሚትኪ።*

  • ኤርምያስ 2:20
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 20 ‘ጥንትስ ኣርዑትኪ ሰይረ፡+

      መቓውሕኪ በጢሰ።

      ንስኺ ግና፡ “ኣየገልግልን እየ” ኢልኪ፣

      ኣብ ኵሉ በሪኽ ኵርባን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን+

      ንምንዝር ተጋሕቲንኪ በጥ ኢልኪ።+

  • ያእቆብ 4:4
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 4 ኣትን ዘመውቲ፡* ዕርክነት ምስ ዓለምሲ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣር፡ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደሊ፡ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ