10 ኣትየ ድማ ጠመትኩ፣ ኵሉ ዓይነት ምስልታት ለመምትን ፍንፉናት እንስሳታትን+ ኵሎም ጽዩፋት ጣኦታት ቤት እስራኤልን ከኣ ረኣኹ፣+ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ድማ ተቐሪጾም ነበሩ። 11 ኣብ ቅድሚኦም ከኣ 70 ኻብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል ቈይሞም ነበሩ፣ ያዛንያ ወዲ ሻፋን+ ድማ ኣብ መንጎኦም ቈይሙ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ጽንሃህ ሒዙ ነበረ፣ እቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደበና ዕጣን እውን ይዓርግ ነበረ።+