-
ዘፍጥረት 38:24መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
24 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ንይሁዳ፡ “ታማር ሰበይቲ ወድኻ መንዚራ፡ ብምንዝርናኣ እውን ጠኒሳ ኣላ” ተባሂሉ ተነግሮ። ይሁዳ ድማ፡ “ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ” በለ።+
-
-
ዘሌዋውያን 20:10መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
10 “‘ምስ ሰበይቲ ኻልእ ብዛዕባ ዝዘመወ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዘማውን እታ ዘማዊትን ብርግጽ ይቀተሉ።+
-
-
ዘዳግም 22:22መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
22 “ሰብኣይ ምስ ብዓልቲ ኻልእ ሰብኣይ ዝዀነት ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኺቡ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ።+ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
-