-
2 ነገስት 21:2መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
2 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+
-
-
2 ነገስት 21:9መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
9 ንሳቶም ግና ኣይተኣዘዙን፣ ምናሴ ድማ ካብቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።+
-
-
ህዝቅኤል 5:5, 6መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
5 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዚኣ የሩሳሌም እያ። ሃገራት ኣብ ዙርያኣ ገይረ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣንበርክዋ። 6 ንሳ ግና ካብ ኣህዛብን ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዘለዋ ሃገራትን ዝገደደ እከይ ብምግባር፡ ካብ ፍርድታተይን ሕግታተይን ዓለወት።+ ንሳቶምሲ ፍርድታተይ ነጺጎም እዮም፣ ብሕግታተይ እውን ኣይመላለሱን እዮም።’
-