መዝሙር ምድያብ።
130 ኦ የሆዋ፡ ካብ መዓሙቝ እጽውዓካ ኣለኹ።+
 2 ኦ የሆዋ፡ ድምጸይ ስማዕ።
ኣእዛንካ ናብ ልማኖይ የቕልባ።
 3 ኦ ያህ፡ ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን፡
ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧+
 4 ምእንቲ ኽትክበርሲ፡+
ምሳኻ ናይ ሓቂ ይቕረታ ኣሎ።+
 5 ብየሆዋ ተስፋ እገብር እየ፣ ኵለንትናይ ብእኡ ተስፋ ይገብር እዩ፣
ቃሉ ድማ እጽበ እየ።
 6 ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡+
እወ ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡
ንየሆዋ ተሃንጥየ ኽጽበዮ እየ።+
 7 የሆዋ ብተኣማንነት የፍቅር እዩ፡+
ኪብጆ ዜኽእሎ ዓብዪ ሓይሊ እውን ኣለዎ እሞ፡
እስራኤል ንየሆዋ ይጸበዮ።
 8 ንሱ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ስሕተቱ ኺብጀዎ እዩ።