ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 43
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ግብጺ ዝገበርዎ ኻልኣይ ጕዕዞ፣ ብንያም ምሳታቶም ከደ ((1-14)

      • ዮሴፍ ከም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋቱ ተራኸበ (15-23)

      • ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ በልዐ (24-34)

ዘፍጥረት 43:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:30፣ ግብ 7:11

ዘፍጥረት 43:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:1, 2

ዘፍጥረት 43:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:15

ዘፍጥረት 43:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:15

ዘፍጥረት 43:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:28

ዘፍጥረት 43:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:13
  • +ዘፍ 42:16

ዘፍጥረት 43:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:14
  • +ዘፍ 42:1, 2
  • +ዘፍ 37:26፣ 42:38

ዘፍጥረት 43:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 44:32

ዘፍጥረት 43:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፍስቱቕን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:20
  • +ኤር 8:22፣ ህዝ 27:17
  • +ዘፍ 37:25

ዘፍጥረት 43:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:25, 35

ዘፍጥረት 43:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:36

ዘፍጥረት 43:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:7, 9

ዘፍጥረት 43:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:39, 40

ዘፍጥረት 43:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:25, 35

ዘፍጥረት 43:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:3

ዘፍጥረት 43:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:27

ዘፍጥረት 43:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:12

ዘፍጥረት 43:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:23, 24

ዘፍጥረት 43:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:16
  • +ዘፍ 43:11

ዘፍጥረት 43:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:7, 9፣ 42:6

ዘፍጥረት 43:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:7

ዘፍጥረት 43:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:7, 9

ዘፍጥረት 43:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:24
  • +ዘፍ 42:13

ዘፍጥረት 43:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:23, 24

ዘፍጥረት 43:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:33, 34፣ ዘጸ 8:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 43:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሳቶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:3፣ ዘዳ 21:17

ዘፍጥረት 43:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 45:22

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 43:1ዘፍ 41:30፣ ግብ 7:11
ዘፍ. 43:2ዘፍ 42:1, 2
ዘፍ. 43:3ዘፍ 42:15
ዘፍ. 43:5ዘፍ 42:15
ዘፍ. 43:6ዘፍ 32:28
ዘፍ. 43:7ዘፍ 42:13
ዘፍ. 43:7ዘፍ 42:16
ዘፍ. 43:8ግብ 7:14
ዘፍ. 43:8ዘፍ 42:1, 2
ዘፍ. 43:8ዘፍ 37:26፣ 42:38
ዘፍ. 43:9ዘፍ 44:32
ዘፍ. 43:11ዘፍ 32:20
ዘፍ. 43:11ኤር 8:22፣ ህዝ 27:17
ዘፍ. 43:11ዘፍ 37:25
ዘፍ. 43:12ዘፍ 42:25, 35
ዘፍ. 43:14ዘፍ 42:36
ዘፍ. 43:15ዘፍ 37:7, 9
ዘፍ. 43:17ዘፍ 41:39, 40
ዘፍ. 43:18ዘፍ 42:25, 35
ዘፍ. 43:20ዘፍ 42:3
ዘፍ. 43:21ዘፍ 42:27
ዘፍ. 43:22ዘፍ 43:12
ዘፍ. 43:23ዘፍ 42:23, 24
ዘፍ. 43:25ዘፍ 43:16
ዘፍ. 43:25ዘፍ 43:11
ዘፍ. 43:26ዘፍ 37:7, 9፣ 42:6
ዘፍ. 43:27ዘፍ 43:7
ዘፍ. 43:28ዘፍ 37:7, 9
ዘፍ. 43:29ዘፍ 35:24
ዘፍ. 43:29ዘፍ 42:13
ዘፍ. 43:30ዘፍ 42:23, 24
ዘፍ. 43:32ዘፍ 46:33, 34፣ ዘጸ 8:26
ዘፍ. 43:33ዘፍ 49:3፣ ዘዳ 21:17
ዘፍ. 43:34ዘፍ 45:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 43:1-34

ዘፍጥረት

43 እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ምድሪ በርትዐ።+ 2 ነቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ ድማ፡+ ኣቦኦም፡ “ተመሊስኩም ሒደት ምግቢ ዓድጉልና” በሎም። 3 ይሁዳ ኸኣ፡ “እቲ ሰብኣይ፡ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየልዩ፡ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ ኢሉ ብንጹር ኣጠንቂቑና እዩ።+ 4 ንሓውና ምሳና ትሰድዶ እንተ ዄንካ፡ ወሪድና ምግቢ ኽንዕድገልካ ኢና። 5 ዘይትሰድዶ እንተ ዄንካ ግና፡ እቲ ሰብኣይ፡ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየልዩ፡ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ ኢሉና እዩ እሞ፡ ኣይንወርድን ኢና” በሎ።+ 6 እስራኤል+ ከኣ፡ “ነቲ ሰብኣይ ካልእ ሓው ከም ዘሎኩም ብምንጋር ስለምንታይ ሽግር ኣምጺእኩምለይ፧” በለ። 7 ንሳቶም ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ኣዝማድናን፡ ‘ኣቦኹም ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧ ካልእ ሓውከ ኣሎኩምዶ፧’ ኢሉ ብቐጥታ ሓቲቱና፣ ንሕና ኸኣ እዚ ሓቂ እዚ ነጊርናዮ።+ ‘ንሓውኩም ናብዚ ኣውርድዎ’ ኸም ዚብለና ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧” በሉ።+

8 ይሁዳ ድማ ንኣቦኡ እስራኤል ከምዚ በሎ፦ “ንሕናን ንስኻን ቈልዑናን+ ብህይወት ክንነብር እምበር፡ ከይንመውትሲ፡+ ነዚ ወዲ ምሳይ ስደዶ እሞ ንኺድ።+ 9 ኣነ እውሓሶ።+ ኣነ ተሓታቲ እኸውን። ናባኻ እንተ ዘይመሊሰዮን ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዘየቕሪበዮን፡ ንሓዋሩ ኸም ዝበደልኩኻ እኸውን። 10 እንተ ዘይንድንጕስ፡ ክሳዕ ሕጂ ኽልተ ሳዕ ናብኡ ኼድና ምተመለስና ኔርና።”

11 ሽዑ፡ ኣቦኦም እስራኤል ከምዚ በሎም፦ “ከምኡ እንተ ዀይኑስ፡ ከምዚ ግበሩ፦ ካብ ፍርያት እዛ ምድሪ እዚኣ ዘዝበለጸ ኣብ ከረጺታትኩም ውሰዱ፣ ነቲ ሰብኣይ ህያብ ኪኸውን+ ድማ ሒደት በለሳንን+ ሒደት መዓርን ምዑዝ ዕንዲዳን ዕንዲዳዊ ቕላጥን+ ካዕካዕን* ለውዝን ተማልኡሉ። 12 ዕጽፊ ገንዘብ ድማ ውሰዱ፣ እቲ ኣብ ኣፍ ከረጺታትኩም እተመልሰ ገንዘብ እውን ምለስዎ።+ ምናልባት ብጌጋ ይኸውን። 13 ንሓውኩም ወሲድኩም ተንስኡ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ። 14 ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺሰድዶም፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሃብኩም። ኣነ ግና፡ ውሉድ እንተ ስኢነ፡ እስኣን!”+

15 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ነዚ ህያብ እዚ ወሰዱ፡ ዕጽፊ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢዶም ሓዙ፡ ንብንያም እውን ተማልእዎ። ተንሲኦም ከኣ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ድማ መሊሶም ደው በሉ።+ 16 ዮሴፍ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረኣዮ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እተሸመ፡ “ነዞም ሰባት እዚኦም ቀትሪ ምሳይ ኪምስሑ እዮም እሞ፡ ናብ ቤት ውሰዶም፡ ሕሩድ ሓሪድካ እውን ኣዳሉ” በሎ። 17 እቲ ሰብኣይ ድማ ብኡብኡ ኸምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፣+ ነቶም ሰባት ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ወሰዶም። 18 እቶም ሰባት ግና ናብ ቤት ዮሴፍ ምስ ተወስዱ፡ ፈርሁ፣ “ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ከረጺታትና እተመልሰ ገንዘብ እዮም ናብዚ ኣምጺኦምና። ሕጂ፡ ኬጥቅዑናን ባሮቶም ኪገብሩናን ኣእዱግና ኺወስዱን እዮም!” ድማ በሉ።+

19 ናብቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ዮሴፍ እተሸመ ሰብኣይ ቀሪቦም ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ተዛረብዎ፣ 20 ከምዚ ኸኣ በልዎ፦ “ኣይትሓዘልና ደኣ እምበር ጐይታይ፡ ብቐዳማይ ምግቢ ኽንዕድግ ወሪድና ኔርና።+ 21 ኣብ መሕደሪና ምስ በጻሕናን ከረጺታትና ምስ ከፈትናን ግና፡ ገንዘብና ኸከምቲ እተመዝኖ፡ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ከከረጺቱ ነበረ።+ ባዕልና ኽንመልሶ ኸኣ ንደሊ ኢና። 22 ምግቢ ንምዕዳግ ድማ ተወሳኺ ገንዘብ ኣምጺእና ኣለና። ነቲ ገንዘብ መን ኣብ ከረጺታትና ኸም ዘእተዎ ኣይንፈልጥን ኢና።”+ 23 ንሱ ኸኣ፡ “ኣጆኹም ኣይትፍርሁ። ኣብ ከረጺታትኩም መዝገብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹምን እዩ። ገንዘብኩምሲ ተቐቢለ እየ” በሎም። ድሕርዚ፡ ንስምኦን ናባታቶም ኣምጽኦ።+

24 ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእትዩ፡ ኣእጋሮም ኪሕጸቡ ማይ ሃቦም፡ ንኣእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን። 25 ኣብኡ እንጌራ ኸም ዚበልዑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፡+ ዮሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዚመጽእ ነቲ ህያብ ኣዳለዉ።+ 26 ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ፡ ህያባቶም ናብኡ ናብ ውሽጢ ቤቱ ኣምጽኡሉ፡ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሎም ከኣ ሰገዱሉ።+ 27 ድሕርዚ፡ ደሓን እንተ ዀይኖም ሓተቶም፡ “እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ዝኣረገ ኣቦኹምከ ደሓንዶ ኣሎ፧ ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧” ከኣ በሎም።+ 28 ንሳቶም ድማ፡ “ጊልያኻ ኣቦና ደሓን ኣሎ። ብህይወት ኣሎ” በልዎ። ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ።+

29 ኣዒንቱ ኣልዒሉ ንብንያም ሓዉ ወዲ ኣዲኡ+ ምስ ረኣዮ፡ “እዝስ እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ድዩ፧” በሎም።+ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ወደየ፡ ኣምላኽ ሞገስ ይሃብካ” በሎ። 30 ዮሴፍ ብምኽንያት ሓዉ ስምዒቱ ምቍጽጻር ኣብይዎ፡ ዚበኽየሉ ቦታ ኺረክብ ተቐላጢፉ ወጸ። ናብ ብሕት ዝበለት ክፍሊ ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብኡ በኸየ።+ 31 ድሕርዚ፡ ገጹ ተሓጺቡ ወጸ፡ ርእሱ ተቘጻጺሩ እውን፡ “መኣዲ ኣቕርቡ” በለ። 32 ሽዑ፡ ንዕኡ ንበይኑ፡ ንዓታቶም ድማ ንበይኖም፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ግብጻውያንሲ ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ የፈንፍኖም እዩ እሞ፡ ግብጻውያን ምሳታቶም ኪበልዑ ኣይከኣሉን።+

33 እቶም ኣሕዋት* ከኣ፡ እቲ በዅሪ ኸም ብዅርናኡ፡+ እቲ ሕሳስ ልደ ኸም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፣ ተገሪሞም ድማ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። 34 ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ምግቢ ኸኣ፡ ግዲኦም ይሰድደሎም ነበረ፣ ንብንያም ግና ሓለፋ ግደ ዅሎም ሓሙሽተ ዕጽፊ ኣቕረበሉ።+ ክሳዕ ዚኣኽሎም ድማ ምስኡ በልዑን ሰተዩን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ