ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ሞት ሳራን መቓብራን (1-20)

ዘፍጥረት 23:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:17

ዘፍጥረት 23:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 14:15
  • +ዘፍ 35:27፣ ዘሁ 13:22
  • +ዘፍ 12:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 3 2016፡ ገጽ 4

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/1995፡ ገጽ 7

ዘፍጥረት 23:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:15

ዘፍጥረት 23:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:1, 8፣ እብ 11:9, 13

ዘፍጥረት 23:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓብዪ ሹም” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2001፡ ገጽ 21

ዘፍጥረት 23:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 1:13

ዘፍጥረት 23:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳትኩም እንተ ተሰማሚዐን።”

ዘፍጥረት 23:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:9, 10፣ 49:29-33፣ 50:13, 14
  • +ዘፍ 23:15

ዘፍጥረት 23:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 4:1

ዘፍጥረት 23:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዘፍጥረት 23:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:15, 16

ዘፍጥረት 23:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:9, 10፣ 49:29-33፣ 50:13, 14

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 23:1ዘፍ 17:17
ዘፍ. 23:2እያ 14:15
ዘፍ. 23:2ዘፍ 35:27፣ ዘሁ 13:22
ዘፍ. 23:2ዘፍ 12:5
ዘፍ. 23:3ዘፍ 10:15
ዘፍ. 23:4ዘፍ 17:1, 8፣ እብ 11:9, 13
ዘፍ. 23:6ዘፍ 21:22
ዘፍ. 23:71ዜና 1:13
ዘፍ. 23:9ዘፍ 25:9, 10፣ 49:29-33፣ 50:13, 14
ዘፍ. 23:9ዘፍ 23:15
ዘፍ. 23:10ሩት 4:1
ዘፍ. 23:16ግብ 7:15, 16
ዘፍ. 23:20ዘፍ 25:9, 10፣ 49:29-33፣ 50:13, 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 23:1-20

ዘፍጥረት

23 ሳራ ድማ 127 ዓመት ነበረት፣ እዚ ዕድመ ሳራ እዩ።+ 2 ሳራ ኸኣ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕ፡+ ንሳ ኬብሮን፡+ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ሞተት፣ ኣብርሃም ድማ ንሳራ ሓዘነላን በኸየላን። 3 ድሕሪኡ፡ ኣብርሃም ካብ ቅድሚ እታ ምዉትቱ ተንስአ፣ ንደቂ ሔት+ ድማ፡ 4 “ኣነ ኣብ መንጎኹም ጓናን ሰፋርን እየ።+ ነዛ ምዉትተይ ክቐብርሲ፡ ርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ሃቡኒ” በሎም። 5 ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፡ 6 “ጐይታይ፡ ስምዓና። ንስኻ ኣብ መንጎና ሹም ኣምላኽ* ኢኻ።+ ካብ መቓብራትና ኣብቲ ምሩጽ ዝበልካዮ ምዉትትኻ ቕበር። ካባና ሓደ እኳ ምዉትትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኸልኣካ የልቦን” ኢሎም መለሱሉ።

7 ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ፡ ንደቂ እታ ዓዲ፡ ንደቂ ሔት፡+ ሰገደሎም፣ 8 “ንምዉትተይ ክቐብር እንተ ተሰማሚዕኩም፡* ስምዑኒ፣ ንዔፍሮን ወዲ ጾሓር ከኣ፡ 9 እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኺሸጠለይ ለምኑለይ። ርስቲ መቓብር ምእንቲ ኺህልወንስ፡+ ኣብ ቅድሜኹም ብምሉእ ዋጋ ይሽጠለይ”+ ድማ በሎም።

10 ዔፍሮን ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ድማ፡ ደቂ ሔት እናሰምዑ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዚኣትዉ ዅሎም፡+ ንኣብርሃም፡ 11 “ኣይፋልካን ጐይታይ። ስምዓኒ ደኣ። እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን እህበካ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝበይ እህበካ ኣለኹ። ምዉትትኻ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። 12 ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ እታ ዓዲ ሰገደ፣ 13 ንዔፍሮን ድማ እቶም ደቂ እታ ዓዲ እናሰምዑ፡ “ስምዓኒ ደኣ። ነታ ግራት ምሉእ ዋጋ ብብሩር ክህበካ እየ። ምዉትተይ ክቐብርሲ፡ ካባይ ውሰዶ” ኢሉ ተዛረቦ።

14 ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ 15 “ጐይታይ፡ ስምዓኒ ደኣ። እዛ ግራት እዚኣ 400 ሲቃል* ብሩር እዩ ዋግኣ፣ እዚ ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እዩ፧ ምዉትትኻ ደኣ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። 16 ኣብርሃም ከኣ ንዔፍሮን ሰምዖ፣ ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን፡ ነቲ ደቂ ሔት እናሰምዑ እተዛረቦ ዋጋ ብሩር፡ ከምቲ ብነጋዶ ቕቡል ዝዀነ ሚዛን 400 ሲቃል* ብሩር መዘነሉ።+ 17 በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን፡—እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ኣብ ውሽጢ ደረታ ዝነበረ ዅሉ ኣእዋምን፡— 18 ኣብ ቅድሚ ደቂ ሔት፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዚኣትዉ ዅሎም፡ ኣብርሃም ዝዓደጋ ንብረት ኰነት። 19 ድሕርዚ፡ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ቀበራ። 20 በዚ ኸምዚ፡ እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዝነበረት በዓትን ካብ ደቂ ሔት ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኰይና ተመሓላለፈት።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ