ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ጢሮስ እተዘርበ ትንቢት (1-21)

        • “መስጥሒ መርበብ” (5, 14)

        • ኣእማናን ሓመዳን ናብ ማይ ኪድርበ እዩ (12)

ህዝቅኤል 26:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 3:4-6፣ ኣሞ 1:9
  • +ድጕ 1:1

ህዝቅኤል 26:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 7

ህዝቅኤል 26:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 23:11፣ ኣሞ 1:10፣ ዘካ 9:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 7

ህዝቅኤል 26:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:32

ህዝቅኤል 26:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣዋልዳ።”

ህዝቅኤል 26:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ህዝቢ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 2:37
  • +ኣን 1:8
  • +ኤር 4:13
  • +ኤር 25:9፣ ህዝ 29:18

ህዝቅኤል 26:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብናይ መጥቃዕቲ መሳርያኡ።”

  • *

    ወይ፡ “ብኣስያፉ።”

ህዝቅኤል 26:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:28፣ ኣን 1:8

ህዝቅኤል 26:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:32, 33፣ 28:5, 18፣ ዘካ 9:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2008፡ ገጽ 23

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 7

ህዝቅኤል 26:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራራትኪ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 23:16

ህዝቅኤል 26:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:4, 5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 7

ህዝቅኤል 26:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቅቱላት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:28

ህዝቅኤል 26:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሹማምንቲ።”

  • *

    ወይ፡ “እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:35፣ 32:10

ህዝቅኤል 26:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሳን ነበርታን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:32
  • +ኣሞ 1:9, 10
  • +ህዝ 28:2

ህዝቅኤል 26:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 23:5

ህዝቅኤል 26:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:34

ህዝቅኤል 26:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መቓብር።”

  • *

    ወይ፡ “ክስልማ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 28:8

ህዝቅኤል 26:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:36

ሓፈሻዊ

ህዝ. 26:2ዮኤ 3:4-6፣ ኣሞ 1:9
ህዝ. 26:2ድጕ 1:1
ህዝ. 26:4ኢሳ 23:11፣ ኣሞ 1:10፣ ዘካ 9:4
ህዝ. 26:5ህዝ 27:32
ህዝ. 26:7ዳን 2:37
ህዝ. 26:7ኣን 1:8
ህዝ. 26:7ኤር 4:13
ህዝ. 26:7ኤር 25:9፣ ህዝ 29:18
ህዝ. 26:11ኢሳ 5:28፣ ኣን 1:8
ህዝ. 26:12ህዝ 27:32, 33፣ 28:5, 18፣ ዘካ 9:3
ህዝ. 26:13ኢሳ 23:16
ህዝ. 26:14ህዝ 26:4, 5
ህዝ. 26:15ህዝ 27:28
ህዝ. 26:16ህዝ 27:35፣ 32:10
ህዝ. 26:17ህዝ 27:32
ህዝ. 26:17ኣሞ 1:9, 10
ህዝ. 26:17ህዝ 28:2
ህዝ. 26:18ኢሳ 23:5
ህዝ. 26:19ህዝ 27:34
ህዝ. 26:20ህዝ 28:8
ህዝ. 26:21ህዝ 27:36
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 26:1-21

ህዝቅኤል

26 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌም፡+ ‘ኣሰይ! እታ ኣፍ ደገ ህዝብታት ተሰይራ!+ ኵሉ ብመገደይ ኪመጽእ፡ ንሳ ስለ ዝባደመት ከኣ ኣነ ኽህብትም እየ’ ኢላ ኣላ፣ 3 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣቲ ጢሮስ፡ እንሆ ኣንጻርኪ እየ፣ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበላቱ ዜምጽኦ፡ ኣነ እውን ብዙሓት ኣህዛብ ኣንጻርኪ ኸምጽእ እየ። 4 ንሳቶም ድማ ንመካበብያ ጢሮስ ከዕንውዎ፡ ንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎ እዮም፣+ ሓመድ ድማ ካብኣ ኽጸርግ፡ እተንጸባርቕ መላጥ ከውሒ እውን ክገብራ እየ። 5 ኣብ ማእከል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ።’+

“‘ኣነስ ተዛሪበ ኣለኹ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንኣህዛብ ከኣ ዘመተ ኽትከውን እያ። 6 ኣብ ገጠር ዚርከባ ሰፈራታ* ድማ ብሰይፊ ኺሕረዳ እየን፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’

7 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እቲ ንጉሰ ነገስት፡+ ምስ ኣፍራስን+ ምስ ሰረገላታትን+ ምስ ፈረሰኛታትን ብዙሓት ተዋጋእቲ* ምስ ዝሓዘ ሰራዊትን ካብ ሰሜን ኣንጻር ጢሮስ ከምጽኦ እየ።+ 8 ንሱ ኸኣ ኣብ ገጠር ንዚርከባ ሰፈራትኪ ብሰይፊ ኼጥፍአን እዩ፣ መንደቕ ከበባ ድማ ኪሃንጸልኪ፡ ዕርዲ ኸበባ ኸኣ ኪዅምረልኪ፡ ዓብዪ ዋልታ እውን ኬልዕለልኪ እዩ። 9 ንመካበብያኺ ብመፍረሲ መካበብያ* ገይሩ ኺዘብጦ፡ ብፋሳቱ* ድማ ንግምብታትኪ ኼፍርሶ እዩ። 10 ኣፍራሱ ኻብ ምብዛሖም እተላዕለ፡ ብደሮና ኪኸድኑኺ እዮም፣ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኸምቲ ብፍሩስ መካበብያ ተሃንዲዶም ዚኣትዉ ዀይኑ ኺኣቱ ኸሎ ኸኣ፡ ደሃይ ፈረሰኛታቱን መንኰራዅሩን ሰረገላታቱን ንመካበብያኺ ኼናውጾ እዩ። 11 ሸዀናታት ኣፍራሱ ንዅሉ ጐደናታትኪ ኺረግጾ እዩ፣+ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኪቐትሎም እዩ፣ እቲ ዓበይቲ ሓወልትታትኪ ድማ ናብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ። 12 ጥሪትኪ ኺዝርፉ፡ ሸቐጥኪ ኺዘምቱ፡+ መካበብያኺ ኼፍርሱ፡ ጽቡቓት ኣባይትኺ ኼዕንዉ እዮም፣ ኣእማንክን ኣዕጫውክን ሓመድክን ናብ ማይ ኪድርብዩ እዮም።’

13 “‘ንደሃይ ደርፍታትኪ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ደሃይ መሰንቆታትኪ* እውን ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።+ 14 እተንጸባርቕ መላጥ ከውሒ ኽገብረኪ፡ መስጥሒ መርበብ ድማ ክትኰኒ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፡ ከቶ ዳግም ኣይክትስርሕን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።

15 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቶም ዚሞቱ* ኺግዕሩ ኸለዉ፡ ኣብ ማእከልኪ ድማ ማሕረዲ ኪኸውን ከሎስ፡ ብደሃይ ውድቀትኪ ደሴታትዶ ኣይኬንቀጥቅጣን እየን፧+ 16 ኵሎም መሳፍንቲ* ባሕሪ ኻብ ዝፋናቶም ኪወርዱ፡ ወለል ዚብል ክዳውንቶም* ከኣ ኬውጽኡ፡ ጥሉፍ ክዳውንቶም ድማ ኪቕንጥጡ፡ ራዕራዕ እውን ኪብሉ እዮም። ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ፡ ከየቋረጹ ራዕራዕ ኪብሉ፡ ተገሪሞም እውን ኪጥምቱኺ እዮም።+ 17 ከምዚ ኢሎም ድማ ኬልቅሱልኪ እዮም፦+

“ኣቲ ኻብ ባሕርታት ነበርቲ ዝነበሩኺ፡ ኣቲ ውድስቲ ኸተማ፡ ከመይ ኰን ኢኺ ዝጠፋእኪ፣+

ንስኽን ነበርትኽን* ኣብ ባሕሪ ሓያላት ኢኹም ኔርኩም፣+

ንዅሎም ነበርቲ ምድሪ እውን ተርዕዱ ኔርኩም!

18 ደሴታት ብውድቀትኪ ራዕራዕ ኪብላ እየን፣

ደሴታት ባሕሪ እውን ብጥፍኣትኪ ኺርበሻ እየን።”’+

19 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምተን ነበርቲ ዘይብለን ከተማታት ገይረ ምስ ኣባደምኩኺ፡ ብቡሕቡሕታ ማያት ምስ ወሓጥኩኺ፡ ብብርቱዕ ማያት እውን ምስ ከደንኩኺ፡+ 20 ንዓኺ ምስቶም ምሳኺ ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ህዝቢ፡ ናብ ናይ ቀደም ህዝቢ ኸምጽኣኪ እየ፣ ነባሪ ምእንቲ ኸይህልወክስ፡ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ፡+ ከምቲ ጥንቲ ዘባደምክዎ ቦታታት ገይረ ኣብ ዝተሓተ ቦታ ኬቐምጠኪ እየ። ሽዑ፡ ንምድሪ ህያዋን ከኽብራ* እየ።

21 “‘ሃንደበታዊ ሽበራ ኸምጽኣልኪ እየ፣ ደጊም እውን ኣይክትህልውን ኢኺ።+ ኪደልዩኺ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይክትርከብን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ