ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ኣብ ኢቆንዩም እተረኽበ ወሰኽን ዘጋጠመ ምጽራርን (1-7)

      • ሰብ ልስጥራ፡ ኣማልኽቲ ዝወረዱ መሰሎም (8-18)

      • ጳውሎስ ብእምኒ ተጨፍጪፉስ፡ ካብ ሞት ደሓነ (19, 20)

      • ንጉባኤታት ኣበርትዑ (21-23)

      • ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ተመልሱ (24-28)

ግብሪ ሃዋርያት 14:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 95

ግብሪ ሃዋርያት 14:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳት ኣህዛብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:45

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/1998፡ ገጽ 16

ግብሪ ሃዋርያት 14:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 19:11፣ እብ 2:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/1998፡ ገጽ 16

ግብሪ ሃዋርያት 14:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 14:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 95-96

ግብሪ ሃዋርያት 14:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 95-96

ግብሪ ሃዋርያት 14:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 9:28

ግብሪ ሃዋርያት 14:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:6

ግብሪ ሃዋርያት 14:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 28:3-6

ግብሪ ሃዋርያት 14:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዘዩስ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1500

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2008፡ ገጽ 32

ግብሪ ሃዋርያት 14:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዘዩስ።”

ግብሪ ሃዋርያት 14:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:25, 26
  • +ዘጸ 20:11፣ መዝ 146:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 97-98

ግብሪ ሃዋርያት 14:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2013፡ ገጽ 11

ግብሪ ሃዋርያት 14:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 147:8፣ ኤር 5:24፣ ማቴ 5:45
  • +መዝ 145:16
  • +ግብ 17:26, 27፣ ሮሜ 1:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 97-98

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 272

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 7

    ንቕሑ!፡

    ቍ. 3 2021፡ ገጽ 14

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2013፡ ገጽ 11

ግብሪ ሃዋርያት 14:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:13
  • +2ቈረ 11:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2015፡ ገጽ 13

ግብሪ ሃዋርያት 14:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2013፡ ገጽ 28-29

ግብሪ ሃዋርያት 14:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሳት እቶም ደቀ መዛሙርቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:38፣ ዮሃ 15:19፣ ሮሜ 8:17፣ 1ተሰ 3:4
  • +ግብ 11:22, 23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 124

    መንእሰያት ዚሓትትዎ፡ ዓንቀጽ 113

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2015፡ ገጽ 13-14

    15/9/2014፡ ገጽ 13

ግብሪ ሃዋርያት 14:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ቲቶ 1:5
  • +ግብ 13:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 99

ግብሪ ሃዋርያት 14:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:13

ግብሪ ሃዋርያት 14:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:1, 2

ግብሪ ሃዋርያት 14:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 101

ግብሪ ሃዋርያት 14:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2008፡ ገጽ 28

ሓፈሻዊ

ግብ. 14:2ግብ 13:45
ግብ. 14:3ግብ 19:11፣ እብ 2:3, 4
ግብ. 14:5ግብ 14:19
ግብ. 14:6ማቴ 10:23
ግብ. 14:9ማቴ 9:28
ግብ. 14:10ኢሳ 35:6
ግብ. 14:11ግብ 28:3-6
ግብ. 14:15ግብ 10:25, 26
ግብ. 14:15ዘጸ 20:11፣ መዝ 146:6
ግብ. 14:16ግብ 17:30
ግብ. 14:17መዝ 147:8፣ ኤር 5:24፣ ማቴ 5:45
ግብ. 14:17መዝ 145:16
ግብ. 14:17ግብ 17:26, 27፣ ሮሜ 1:20
ግብ. 14:19ግብ 17:13
ግብ. 14:192ቈረ 11:25
ግብ. 14:20ግብ 16:1
ግብ. 14:22ማቴ 10:38፣ ዮሃ 15:19፣ ሮሜ 8:17፣ 1ተሰ 3:4
ግብ. 14:22ግብ 11:22, 23
ግብ. 14:23ቲቶ 1:5
ግብ. 14:23ግብ 13:2, 3
ግብ. 14:24ግብ 13:13
ግብ. 14:26ግብ 13:1, 2
ግብ. 14:27ግብ 11:18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 14:1-28

ግብሪ ሃዋርያት

14 ኣብ ኢቆንዩም ድማ ብሓባር ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣትዮም ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ። 2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡* ኣብቶም ኣሕዋት ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም።+ 3 ንሳቶም ከኣ ብስልጣን እቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ብኣእዳዎም ኪግበር እናፈቐደ ንቓል ጸጋኡ ዝመስከረ የሆዋ* ብትብዓት እናተዛረቡ፡ ነዊሕ ግዜ ጸንሑ።+ 4 ህዝቢ እታ ኸተማ ግና ተመቕሉ፣ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ። 5 ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ ኣሕሉቖም ኰይኖም ኪገፍዕዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡+ 6 ንሳቶም እዚ ፈሊጦም ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ልስጥራን ደርቤን ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ገጠርን ሃደሙ።+ 7 ኣብኡ እውን የበስሩ ነበሩ።

8 ኣብ ልስጥራ ኸኣ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ብምንባሩ፡ ኣእጋሩ ዝሰንከለ ሰብኣይ ተቐሚጡ ነበረ። ተዛዊሩ እውን ኣይፈልጥን ነበረ። 9 ንሱ፡ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ፡ ይሰምዖ ነበረ። ጳውሎስ ድማ ኣተኲሩ ጠመቶ እሞ፡ ኪሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ርእዩ፡+ 10 ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ብኣእጋርካ ደው በል” በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ።+ 11 እቶም ህዝቢ፡ እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፡ “ኣማልኽቲ፡ ሰብ መሲሎም ናባና ወሪዶም!” ኢሎም ጨደሩ።+ 12 ንበርናባስ፡ ‘ድያ፡’* ንጳውሎስ ድማ ዘረባ ይመርሕ ስለ ዝነበረ፡ ‘ሄርሜስ’ ኪብልዎም ጀመሩ። 13 ካህን እቲ ኣብ መእተዊ እታ ኸተማ ቤተ መቕደስ ዝነበሮ ድያ* ኸኣ፡ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ኣፍ ደገታት ኣምጺኡ፡ ምስቶም ህዝቢ ዀይኑ ኺስውኣሎም ደለየ።

14 ጳውሎስን በርናባስን እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ናብቲ ህዝቢ ጐይዮም ከኣ ከምዚ ኢሎም ጨደሩ፦ 15 “ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧ ንሕና እውን ከማኻትኩም ዝድኻምና ሰባት ኢና።+ ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ እቲ ኣባታቶም ዘሎን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና።+ 16 ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ንዅሎም ኣህዛብ ብመገዶም ኪኸዱ ሓዲግዎም ነይሩ፣+ 17 ግናኸ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን+ ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡+ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”+ 18 እዚ ኢሎም ክነሶም ግና፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብኽንደይ ገድሊ ኸልከልዎም።

19 ግናኸ፡ ኣይሁድ ካብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን መጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ ሓቢሎም+ ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፣ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጐተትዎ።+ 20 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ከበብዎ ግና፡ ተንሲኡ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ድማ፡ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ።+ 21 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ምስ ኣበሰሩን ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩን ከኣ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። 22 ኣብአን ድማ ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” እናበሉን+ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ* ኣበራትዑ።+ 23 ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም ከኣ፡+ ብጸሎትን ብጾምን+ ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ የሆዋ* ኣማዕቈብዎም።

24 ብጲሲድያ ሓሊፎም ከኣ ናብ ጰምፊልያ መጹ።+ 25 ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ሰበኹ፡ ናብ ኣጣልያ ኸዱ። 26 ካብኣ ድማ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ንጸጋ ኣምላኽ እተማዕቈቡላ ኣንጾክያ ብመርከብ ከዱ።+

27 ኣብኣ ምስ በጽሑ፡ ነታ ጉባኤ ኣኪቦም፡ እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉን ንኣህዛብ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ኣዘንተዉሎም።+ 28 ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ነዊሕ እዋን ጸንሑ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ