ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ (1-30)

        • ንከነኣናውያን ኣይትምሰልዎም (3)

        • ምስ መቕርባ ዚግበር ክልኩል ጾታዊ ርክብ (6-18)

        • ብግዜ ጻግነ (19)

        • ግብረ ሶዶም (22)

        • ምስ እንስሳ ዚግበር ጾታዊ ርክብ (23)

        • ‘ንጹሃት እንተ ዘይኴንኩም፡ እታ ምድሪ ኽትተፍኣኩም እያ’ (24-30)

ዘሌዋውያን 18:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:7፣ ዘጸ 6:7

ዘሌዋውያን 18:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:24፣ ዘሌ 20:23

ዘሌዋውያን 18:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:22፣ ዘዳ 4:1

ዘሌዋውያን 18:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 10:27, 28፣ ሮሜ 10:5፣ ገላ 3:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2009፡ ገጽ 6

ዘሌዋውያን 18:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ኪቐልዕ።” ኣብዝን ኣብ ዚቕጽል ኣጋጣሚታትን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:17

ዘሌዋውያን 18:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ኣቦኻ እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:22፣ 49:4፣ ዘሌ 20:11፣ ዘዳ 27:20፣ 2ሳሙ 16:21፣ 1ቈረ 5:1

ዘሌዋውያን 18:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:17፣ ዘዳ 27:22፣ 2ሳሙ 13:10-12

ዘሌዋውያን 18:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:19

ዘሌዋውያን 18:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃኑ ኣይትቕላዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:20

ዘሌዋውያን 18:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:12

ዘሌዋውያን 18:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓውካ እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:21፣ ዘዳ 25:5፣ ማር 6:17, 18

ዘሌዋውያን 18:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜሕፍር ተግባር፣ ብዕልግና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:14፣ ዘዳ 27:23

ዘሌዋውያን 18:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:15

ዘሌዋውያን 18:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:19, 24፣ 20:18

ዘሌዋውያን 18:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:14፣ ዘሌ 20:10፣ ዘዳ 22:22፣ ምሳ 6:29፣ ማቴ 5:27, 28፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ እብ 13:4

ዘሌዋውያን 18:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪውፈ፣ ኪስዋእ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:2፣ ዘዳ 18:10፣ 1ነገ 11:7፣ 2ነገ 23:10
  • +ዘሌ 20:3

ዘሌዋውያን 18:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:5፣ ዘሌ 20:13፣ መሳ 19:22፣ ሮሜ 1:26, 27፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ ይሁ 7

ዘሌዋውያን 18:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:19፣ ዘሌ 20:15, 16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2003፡ ገጽ 27

ዘሌዋውያን 18:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:23፣ ዘዳ 18:12

ዘሌዋውያን 18:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:16

ዘሌዋውያን 18:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:22፣ ዘዳ 4:1, 40
  • +ዘጸ 12:49

ዘሌዋውያን 18:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 20:17, 18፣ 2ነገ 16:2, 3፣ 21:1, 2

ዘሌዋውያን 18:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኵለን እተን ከምዚ ዝገበራ ነፍሳት።”

ዘሌዋውያን 18:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:3፣ 20:23፣ ዘዳ 18:9

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 18:2ዘፍ 17:7፣ ዘጸ 6:7
ዘሌ. 18:3ዘጸ 23:24፣ ዘሌ 20:23
ዘሌ. 18:4ዘሌ 20:22፣ ዘዳ 4:1
ዘሌ. 18:5ሉቃ 10:27, 28፣ ሮሜ 10:5፣ ገላ 3:12
ዘሌ. 18:6ዘሌ 20:17
ዘሌ. 18:8ዘፍ 35:22፣ 49:4፣ ዘሌ 20:11፣ ዘዳ 27:20፣ 2ሳሙ 16:21፣ 1ቈረ 5:1
ዘሌ. 18:9ዘሌ 20:17፣ ዘዳ 27:22፣ 2ሳሙ 13:10-12
ዘሌ. 18:12ዘሌ 20:19
ዘሌ. 18:14ዘሌ 20:20
ዘሌ. 18:15ዘሌ 20:12
ዘሌ. 18:16ዘሌ 20:21፣ ዘዳ 25:5፣ ማር 6:17, 18
ዘሌ. 18:17ዘሌ 20:14፣ ዘዳ 27:23
ዘሌ. 18:18ዘፍ 30:15
ዘሌ. 18:19ዘሌ 15:19, 24፣ 20:18
ዘሌ. 18:20ዘጸ 20:14፣ ዘሌ 20:10፣ ዘዳ 22:22፣ ምሳ 6:29፣ ማቴ 5:27, 28፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ እብ 13:4
ዘሌ. 18:21ዘሌ 20:2፣ ዘዳ 18:10፣ 1ነገ 11:7፣ 2ነገ 23:10
ዘሌ. 18:21ዘሌ 20:3
ዘሌ. 18:22ዘፍ 19:5፣ ዘሌ 20:13፣ መሳ 19:22፣ ሮሜ 1:26, 27፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ ይሁ 7
ዘሌ. 18:23ዘጸ 22:19፣ ዘሌ 20:15, 16
ዘሌ. 18:24ዘሌ 20:23፣ ዘዳ 18:12
ዘሌ. 18:25ዘፍ 15:16
ዘሌ. 18:26ዘሌ 20:22፣ ዘዳ 4:1, 40
ዘሌ. 18:26ዘጸ 12:49
ዘሌ. 18:27ዘዳ 20:17, 18፣ 2ነገ 16:2, 3፣ 21:1, 2
ዘሌ. 18:30ዘሌ 18:3፣ 20:23፣ ዘዳ 18:9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 18:1-30

ዘሌዋውያን

18 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ 3 ከም ግብሪ እቶም ኣብታ እትቕመጥዋ ዝነበርኩም ምድሪ ግብጺ ዚነብሩ ኣይትግበሩ፣ ከም ግብሪ እቶም ኣነ ናብኣ ኣብ ዘእትወኩም ምድሪ ከነኣን ዚነብሩ ድማ ኣይትግበሩ፣+ ብሕግታቶም እውን ኣይትመላለሱ። 4 ፍርድታተይ ግበሩ፡ ሕግታተይ ከኣ ሓልዉ፡ ብእኡ እውን ተመላለሱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 5 ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፣ ዚገብሮ ዘበለ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ ኣነ የሆዋ እየ።

6 “‘ካባኻትኩም ሓደ እኳ ምስ ቀረባ ዘመዱ ጾታዊ ርክብ ኪገብር* ኣይቕረብ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 7 ምስ ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር፣ ምስ ኣዴኻ እውን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። ንሳ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።

8 “‘ምስ ሰበይቲ ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንኣቦኻ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ።*

9 “‘ምስ ሓብትኻ፡ ማለት ምስ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት ትወለድ ወይ ኣብ ወጻኢ፡ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+

10 “‘ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ ሕፍረትካ እየን እሞ፡ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።

11 “‘ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኻብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።

12 “‘ምስ ኣሞኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።+

13 “‘ሓትኖኻ ቐረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።

14 “‘ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ብምግባር፡ ንዕኡ ንሕፍረት ኣይተቃልዓዮ።* ንሳ ዘመድካ እያ።+

15 “‘ምስ ሰበይቲ ወድኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንሳ ሰበይቲ ወድኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።

16 “‘ምስ ሰበይቲ ሓውካ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንሓውካ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ።*

17 “‘ምስ ሰበይትን ምስ ጓላን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ብስጋ ኽትራኸብ ኢልካ ጓል ወዳን ጓል ጓላን ኣይትውሰድ። ንሳተን ቀረባ ኣዝማዳ እየን፣ እዚ ጽያፍ* እዩ።

18 “‘ሓብታ ብህይወታ ኸላ፡ ንሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ሓብታ ኸም መቐናቕንቲ ሰበይቲ ጌርካ ኣይትውሰዳ፡+ ምስኣ እውን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።

19 “‘ሰበይቲ ብጻግኒኣ ረኺሳ ኸላ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ኣይትቕረባ።+

20 “‘ከይትረክስሲ፡ ምስ ሰበይቲ ብጻይካ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+

21 “‘ካብ ዘርእኻ ሓደ እኳ ንሞሌኽ ኪቐርብ* ኣይትፍቀድ።+ በዚ ኸምዚ፡ ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ።+ ኣነ የሆዋ እየ።

22 “‘ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ጌርካ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ።+ እዚ ፍንፉን እዩ።

23 “‘ከይረክስሲ፡ ሰብኣይ ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ኣይግበር። ሰበይቲ እውን ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ርእሳ ኣይተቕርብ።+ እዚ ዘይባህርያዊ እዩ።

24 “‘እቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጕጎም ኣህዛብ በዚ ዅሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዅሉ ኣይትርከሱ።+ 25 ስለዚ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት፣ ብሰንኪ ስሕተታ ድማ፡ ኣነ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኸምጽኣላ እየ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ንነበርታ ኽትተፍኦም እያ።+ 26 ንስኻትኩም ግና ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፣+ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓና፡ ካብዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ሓደ እኳ ኣይትግበሩ።+ 27 ከመይሲ፡ እቶም ቅድሜኹም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት ገይሮም እዮም፣+ ስለዚ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት። 28 እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኣህዛብ ኸም እትተፍኦም፡ ንዓኻትኩም እውን ከይትተፍኣኩም። 29 ካብዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ ኵሎም እቶም ከምኡ ዝገበሩ* ኻብ ህዝቦም ኪምንቈሱ እዮም። 30 ብእኡ ኸይትረኽሱስ፡ ከምቲ ቕድሜኹም ዚግበር ዝነበረ ፍንፉን ልምድታት ብዘይምግባር፡+ ኣብ ቅድመይ ዘሎኩም ግዴታ ሓልዉ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ