ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኣንስቲ ሰሎሞን ንልቡ ኣዘንበላኦ (1-13)

      • ተጻረርቲ ሰሎሞን (14-25)

      • የሮብዓም ዓሰርተ ነገዳት ከም ዚውሃቦ ተነግሮ (26-40)

      • ሰሎሞን ሞተ፣ ሮብዓም ነገሰ (41-43)

1 ነገስት 11:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:1
  • +ዘዳ 17:15, 17፣ ነህ 13:26
  • +ዘፍ 19:36, 37
  • +1ነገ 14:21
  • +1ነገ 16:30, 31
  • +ዘፍ 26:34, 35

1 ነገስት 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምሳታቶም ኣይትዋሰቡ።”

  • *

    ወይ፡ “ናባታቶም ለገበ፡ ኣፍቀሮም እውን” ኪኸውን ይኽእል። ማለት፡ ነቶም ጣኦታት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:16፣ ዘዳ 7:3፣ እያ 23:12, 13፣ 2ቈረ 6:14

1 ነገስት 11:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣንስቱ ድማ ሓያል ጽልዋ ኣሕደራሉ።”

1 ነገስት 11:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጠወያኦ።”

  • *

    ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣምላኹ ውፉይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:42
  • +ዘዳ 7:3, 4፣ ነህ 13:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2005፡ ገጽ 29

1 ነገስት 11:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:11, 13፣ 10:6፣ 1ሳሙ 7:3
  • +ጸፎ 1:5

1 ነገስት 11:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:5

1 ነገስት 11:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:30፣ ዘሁ 33:52፣ 2ነገ 21:1, 3
  • +ዘሌ 18:21፣ ግብ 7:43
  • +2ነገ 23:13

1 ነገስት 11:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:5፣ 9:2
  • +ዘዳ 7:3, 4፣ ምሳ 4:23

1 ነገስት 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 7:19, 20

1 ነገስት 11:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:21

1 ነገስት 11:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 10:18, 19

1 ነገስት 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:12, 15
  • +ዘዳ 12:11
  • +1ነገ 12:20፣ 2ዜና 11:1

1 ነገስት 11:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:12, 14
  • +ዘፍ 27:40

1 ነገስት 11:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:13

1 ነገስት 11:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:12

1 ነገስት 11:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እትገዝእ ንግስቲ ኣይኰነትን።

1 ነገስት 11:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጡብ ኣሕደገቶ” ኪኸውን ይኽእል።

1 ነገስት 11:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:10
  • +1ነገ 2:34

1 ነገስት 11:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:14
  • +2ሳሙ 8:3

1 ነገስት 11:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዳዊት ኪቐትሎም ከሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 10:18
  • +2ሳሙ 8:5፣ 1ነገ 19:15፣ ኢሳ 7:8

1 ነገስት 11:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዓለ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:31፣ 12:32፣ 14:10፣ 2ዜና 11:14፣ 13:3, 20
  • +1ነገ 9:22
  • +2ዜና 13:6

1 ነገስት 11:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:15, 24
  • +2ሳሙ 5:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1519

1 ነገስት 11:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓላዊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:16

1 ነገስት 11:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:15፣ 14:2፣ 2ዜና 9:29

1 ነገስት 11:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:16

1 ነገስት 11:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10
  • +ዘዳ 12:5, 6፣ 1ነገ 11:13፣ መዝ 132:13
  • +1ነገ 12:20፣ 2ዜና 11:1

1 ነገስት 11:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15፣ 2ዜና 15:2

1 ነገስት 11:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:4, 5፣ መዝ 89:49፣ 132:17፣ ኢሳ 9:7

1 ነገስት 11:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:20፣ 2ዜና 10:16

1 ነገስት 11:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:29፣ 1ነገ 15:4፣ 2ነገ 8:19

1 ነገስት 11:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ እትብህጎ።”

1 ነገስት 11:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:5
  • +2ሳሙ 7:11

1 ነገስት 11:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:16
  • +ዘፍ 49:10፣ ኢሳ 11:1፣ ሉቃ 1:32, 33

1 ነገስት 11:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:25
  • +2ዜና 10:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2005፡ ገጽ 30

1 ነገስት 11:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 9:29-31

1 ነገስት 11:42

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” መጽናዕቲ ቝ. 3፡ ገጽ 2

1 ነገስት 11:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:10፣ 2ዜና 13:7፣ ማቴ 1:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2005፡ ገጽ 31

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 11:11ነገ 3:1
1 ነገ. 11:1ዘዳ 17:15, 17፣ ነህ 13:26
1 ነገ. 11:1ዘፍ 19:36, 37
1 ነገ. 11:11ነገ 14:21
1 ነገ. 11:11ነገ 16:30, 31
1 ነገ. 11:1ዘፍ 26:34, 35
1 ነገ. 11:2ዘጸ 34:16፣ ዘዳ 7:3፣ እያ 23:12, 13፣ 2ቈረ 6:14
1 ነገ. 11:41ነገ 11:42
1 ነገ. 11:4ዘዳ 7:3, 4፣ ነህ 13:26
1 ነገ. 11:5መሳ 2:11, 13፣ 10:6፣ 1ሳሙ 7:3
1 ነገ. 11:5ጸፎ 1:5
1 ነገ. 11:61ነገ 15:5
1 ነገ. 11:7ዘሌ 26:30፣ ዘሁ 33:52፣ 2ነገ 21:1, 3
1 ነገ. 11:7ዘሌ 18:21፣ ግብ 7:43
1 ነገ. 11:72ነገ 23:13
1 ነገ. 11:91ነገ 3:5፣ 9:2
1 ነገ. 11:9ዘዳ 7:3, 4፣ ምሳ 4:23
1 ነገ. 11:102ዜና 7:19, 20
1 ነገ. 11:112ነገ 17:21
1 ነገ. 11:122ዜና 10:18, 19
1 ነገ. 11:132ሳሙ 7:12, 15
1 ነገ. 11:13ዘዳ 12:11
1 ነገ. 11:131ነገ 12:20፣ 2ዜና 11:1
1 ነገ. 11:142ሳሙ 7:12, 14
1 ነገ. 11:14ዘፍ 27:40
1 ነገ. 11:152ሳሙ 8:13
1 ነገ. 11:18ዘሁ 10:12
1 ነገ. 11:211ነገ 2:10
1 ነገ. 11:211ነገ 2:34
1 ነገ. 11:231ነገ 11:14
1 ነገ. 11:232ሳሙ 8:3
1 ነገ. 11:242ሳሙ 10:18
1 ነገ. 11:242ሳሙ 8:5፣ 1ነገ 19:15፣ ኢሳ 7:8
1 ነገ. 11:261ነገ 11:31፣ 12:32፣ 14:10፣ 2ዜና 11:14፣ 13:3, 20
1 ነገ. 11:261ነገ 9:22
1 ነገ. 11:262ዜና 13:6
1 ነገ. 11:271ነገ 9:15, 24
1 ነገ. 11:272ሳሙ 5:7
1 ነገ. 11:281ነገ 5:16
1 ነገ. 11:291ነገ 12:15፣ 14:2፣ 2ዜና 9:29
1 ነገ. 11:311ነገ 12:16
1 ነገ. 11:32ዘፍ 49:10
1 ነገ. 11:32ዘዳ 12:5, 6፣ 1ነገ 11:13፣ መዝ 132:13
1 ነገ. 11:321ነገ 12:20፣ 2ዜና 11:1
1 ነገ. 11:33ዘዳ 28:15፣ 2ዜና 15:2
1 ነገ. 11:341ነገ 9:4, 5፣ መዝ 89:49፣ 132:17፣ ኢሳ 9:7
1 ነገ. 11:351ነገ 12:20፣ 2ዜና 10:16
1 ነገ. 11:362ሳሙ 7:29፣ 1ነገ 15:4፣ 2ነገ 8:19
1 ነገ. 11:381ነገ 15:5
1 ነገ. 11:382ሳሙ 7:11
1 ነገ. 11:391ነገ 12:16
1 ነገ. 11:39ዘፍ 49:10፣ ኢሳ 11:1፣ ሉቃ 1:32, 33
1 ነገ. 11:401ነገ 14:25
1 ነገ. 11:402ዜና 10:2
1 ነገ. 11:412ዜና 9:29-31
1 ነገ. 11:431ዜና 3:10፣ 2ዜና 13:7፣ ማቴ 1:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 11:1-43

1 ነገስት

11 ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርኦን+ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡+ ማለት ሞኣባውያንን+ ዓሞናውያንን+ ኤዶማውያንን ሲዶናውያንን+ ሔታውያንን+ ኣፍቀረ። 2 ንሳተን ካብቶም የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዛዕባኦም፡ “ልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡* ንሳቶም እውን ናባኻትኩም ኣይምጽኡ” ዝበሎም ኣህዛብ ነበራ።+ ሰሎሞን ግና ናባታተን ለገበ፡ ኣፍቀረን እውን።* 3 ልዕልትታት ዝዀና 700 ኣንስትን 300 ኣንስቲ ወሰንን ከኣ ነበራኦ፣ ኣንስቱ ድማ በብቝሩብ ልቡ ኣዘንበላኦ።* 4 ብግዜ እርጋን ሰሎሞን ከኣ፡+ እተን ኣንስቱ ንልቡ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ናብ ምስዓብ ኣዘንበላኦ፣*+ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ* ኣይነበረን። 5 ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣሽቶረት+ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያንን ሰዓበ። 6 ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ፣ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ገይሩ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣይሰዓቦን።+

7 ሽዑ፡ ሰሎሞን ንከሞሽ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ኣብ ዘሎ ኸረን፡ በሪኽ ሰርሓሉ፣+ ንሞሌኽ+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያን እውን ከምኡ ሰርሓሉ።+ 8 ንዅለን እተን ዚዓጥናን ንኣማልኽተን ዚስውኣን ዝነበራ ጓኖት ኣንስቱ ኸኣ፡ ከምኡ ገበረለን።

9 የሆዋ ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ+ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡+ ተቘጥዖ። 10 ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ ማለት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይከይድ፡ ኣጠንቂቕዎ እኳ እንተ ነበረ፡+ ንሱ ግና ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን። 11 የሆዋ ኸኣ ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ድማ ኪዳነይን ሕግታተይን ስለ ዘይሓሎኻ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንሓደ ኻብ ገላዉኻ ኽህቦ እየ።+ 12 ግናኸ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት፡ እዚ ብዘመንካ ኣይክገብሮን እየ። ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐድዳ።+ 13 ንብዘላ እታ መንግስቲ ግና ኣይክቐድዳን እየ።+ ምእንቲ ጊልያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን+ ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።”+

14 የሆዋ ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ፡+ ሃዳድ እቲ ኤዶማዊ፡ ካብ ዘርኢ ንጉስ ኤዶም፡ ኣተንስኣሉ።+ 15 ዳዊት ንኤዶም ምስ ሰዓሮ፡+ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ነቶም ቅቱላት ኪቐብር ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ኪቐትል ፈተነ። 16 (ዮኣብን ኵሎም እስራኤልንሲ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንት፡ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ጸንሑ።) 17 ሃዳድን ገሊኦም ኤዶማውያን ገላዉ ኣቦኡን ግና ሃዲሞም ናብ ግብጺ ኸዱ፣ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ። 18 ካብ ሚድያን ነቒሎም ከኣ ናብ ጳራን+ መጹ። ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ፡ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ፣ ንሱ ኸኣ ቤት ሃቦ፡ ቀለብ ድማ መደበሉ፡ ምድሪ እውን ሃቦ። 19 ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ስለ ዝረኸበ፡ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ* ታሕጵኔስ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 20 እታ ሓብቲ ታሕጵኔስ ድማ ጌኑባት ዚብሃል ወዲ ወለደትሉ፣ ታሕጵኔስ ከኣ ንዕኡ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣዕበየቶ፣* ጌኑባት ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ መንጎ ደቂ ፈርኦን ነበረ።

21 ሃዳድ ከኣ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝዓረፈን+ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝሞተን ሰምዐ።+ ሃዳድ ድማ ንፈርኦን፡ “ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ፡ ኣሰናብተኒ” በሎ። 22 ፈርኦን ግና፡ “ናብ ሃገርካ ኽትከይድ ዝደለኻስ፡ ምሳይ ከለኻ እንታይ ጐዲሉካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ” በሎ።

23 ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ካልእ ተጻራሪ፡+ እቲ ኻብ ጐይታኡ ሃዳድዔዘር+ ንጉስ ጾባ ዝሃደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ፡ ኣተንስኣሉ። 24 ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰዓሮም፡* ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ዘማቲ ጭፍራ ዀነ።+ ናብ ደማስቆ+ ኸይዶም ድማ ኣብኣ ተቐመጡ፡ ኣብ ደማስቆ እውን ነገሱ። 25 ንሱ ኸኣ ኣብ ርእሲ እቲ ሃዳድ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ተጻራሪ እስራኤል ኰይኑ ነበረ፣ ኣብ ሶርያ ነጊሱ ኸሎ ድማ፡ ንእስራኤል ይፍንፍኖ ነበረ።

26 የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ከኣ፡ ኤፍሬማዊ ኻብ ጸሬዳ፡ ጊልያ ሰሎሞን ነበረ፣+ ስም ኣዲኡ ድማ ጽሩዓ እዩ፣ ንሳ እውን መበለት ነበረት። ንሱ ኸኣ ካብ ንጉስ ዓለወ።*+ 27 እቲ ኻብ ንጉስ ዝዓለወሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ዅምራ* ሃኒጽዎን+ ነቲ ጋግ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ዓጽይዎን ነበረ።+ 28 የሮብዓም ከኣ ክኢላ ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ድማ፡ እቲ ጐበዝ ትጉህ ዓያዪ ምዃኑ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ግዴታዊ ኣገልግሎት ቤት ዮሴፍ ሓላፊ* ገበሮ።+ 29 በቲ ግዜ እቲ፡ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፣ ነብዪ ኣሒያ+ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ኣሒያ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ፣ ክልቲኦም ከኣ በይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 30 ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ 12 ቝራጽ ቈራረጾ። 31 ንየሮብዓም ከኣ ከምዚ በሎ፦

“ዓሰርተ ቝራጽ ንዓኻ ውሰድ፣ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን እቐድዳ ኣለኹ፣ ንዓኻ ድማ ዓሰርተ ነገዳት ክህበካ እየ።+ 32 ምእንቲ ጊልያይ ዳዊትን+ ምእንቲ እታ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን+ ግና ሓደ ነገድ ንዕኡ ኪኸውን እዩ።+ 33 ንዓይ ሓዲጎም ንኣሽቶረት እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ንከሞሽ እቲ ኣምላኽ ሞኣብን ንሚልኮም እቲ ኣምላኽ ዓሞናውያንን ስለ ዝሰገዱ፡ እዚ ኽገብር እየ፣+ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ብምግባርን ሕግታተይን ፍርድታተይን ብምሕላውን ከኣ ብመገድታተይ ኣይተመላለሱን። 34 ግናኸ፡ ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕግታተይን ዝሓለወ ኣነ ዝሓረኽዎ ጊልያይ ዳዊት ኢለ፡+ ብዘላ እታ መንግስቲ ኻብ ኢዱ ኣይክወስዳን እየ፡ የግዳስ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ሹም ክገብሮ እየ። 35 ግናኸ፡ ነቲ ንግስና ኻብ ኢድ ወዱ ኽወስዶ፡ ንዓኻ ድማ ዓሰርተ ነገዳት ክህበካ እየ።+ 36 ጊልያይ ዳዊት ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኼንብር ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ወትሩ መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡+ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። 37 ንዓኻ ኸኣ ክወስደካ እየ፡ ኣብ ኵሉ እቲ እትብህጎ* ድማ ክትነግስ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እውን ንጉስ ክትከውን ኢኻ። 38 ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ተኣዚዝካ፡ ከምቲ ጊልያይ ዳዊት ዝገበሮ፡ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ብምሕላው ድማ ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እውን ቅኑዕ እንተ ጌርካ፡+ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ። ከምቲ ንዳዊት ዝሃነጽኩሉ፡+ ነባሪት ቤት ክሃንጸልካ እየ፡ እስራኤል እውን ክህበካ እየ። 39 ምእንቲ እዚ ድማ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፣+ ግናኸ፡ ንዅሉ ግዜ ኣይኰነን።’”+

40 ስለዚ፡ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ፈተነ፣ የሮብዓም ግና ናብ ግብጺ፡ ናብ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ሃደመ፣+ ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ጸንሐ።

41 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሰሎሞን፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ጥበቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ሰሎሞን ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 42 እቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን* 40 ዓመት ነበረ። 43 ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም+ ነገሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ