ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 57
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ጻድቕን እሙናትን ጠፍኡ (1, 2)

      • መንፈሳዊ ምንዝርና እስራኤል ተቓልዐ (3-13)

      • ንትሑታት እተዋህበ መጸናንዒ (14-21)

        • እኩያት ከም ዚናወጽ ባሕሪ እዮም (20)

        • ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን (21)

ኢሳይያስ 57:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ይሞቱ።

  • *

    ወይ፡ “ካብ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 7:2

ኢሳይያስ 57:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ መቓብሮም።

ኢሳይያስ 57:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:4፣ 30:9

ኢሳይያስ 57:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:29
  • +ዘዳ 12:2፣ 1ነገ 14:22, 23
  • +2ነገ 16:1, 3፣ ኤር 7:31

ኢሳይያስ 57:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

  • *

    ወይ፡ “ኽጸናናዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:9
  • +ኤር 7:18

ኢሳይያስ 57:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:20፣ ህዝ 16:16፣ 23:17
  • +ህዝ 20:28

ኢሳይያስ 57:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንኣምልኾ ጣኦት ኬመልክት ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:25, 33፣ 23:18

ኢሳይያስ 57:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንጉስ” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ኢሳይያስ 57:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘይደኸምኪ።”

ኢሳይያስ 57:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነገርዶኸ ኣይሓባእኩን እየ፧”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:9, 10፣ 59:3
  • +ኢሳ 1:3፣ ኤር 2:32፣ 9:3
  • +ኢሳ 42:24, 25
  • +መዝ 50:21

ኢሳይያስ 57:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 58:2
  • +ኢሳ 66:3
  • +ኤር 7:4፣ ሚክ 3:4

ኢሳይያስ 57:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 10:14፣ ኢሳ 42:17
  • +ኢሳ 56:6, 7፣ 66:20፣ ህዝ 20:40፣ ዮኤ 3:17

ኢሳይያስ 57:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:8፣ 40:3፣ 62:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    5/2023፡ ገጽ 16-17

ኢሳይያስ 57:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:33፣ መዝ 90:2፣ ኢሳ 40:28፣ 1ጢሞ 1:17
  • +ዘጸ 15:11፣ ሉቃ 1:46, 49
  • +1ነገ 8:27
  • +መዝ 34:18፣ 147:3፣ ኢሳ 61:1፣ 66:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2005፡ ገጽ 26-27

ኢሳይያስ 57:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 103:9፣ ሚክ 7:18
  • +እዮ 34:14, 15

ኢሳይያስ 57:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:13፣ 8:10
  • +ኤር 3:14

ኢሳይያስ 57:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብመጸናንዒ ክኽሕሶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 33:6፣ ሆሴ 14:4
  • +ኢሳ 49:10
  • +ኢሳ 12:1፣ 61:2፣ ድጕ 1:4

ኢሳይያስ 57:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:18፣ ኤፌ 2:17

ኢሳይያስ 57:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 13:9፣ ኢሳ 3:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1999፡ ገጽ 11

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 57:1ሚክ 7:2
ኢሳ. 57:4ኢሳ 1:4፣ 30:9
ኢሳ. 57:5ኢሳ 1:29
ኢሳ. 57:5ዘዳ 12:2፣ 1ነገ 14:22, 23
ኢሳ. 57:52ነገ 16:1, 3፣ ኤር 7:31
ኢሳ. 57:6ኤር 3:9
ኢሳ. 57:6ኤር 7:18
ኢሳ. 57:7ኤር 2:20፣ ህዝ 16:16፣ 23:17
ኢሳ. 57:7ህዝ 20:28
ኢሳ. 57:8ህዝ 16:25, 33፣ 23:18
ኢሳ. 57:11ኢሳ 30:9, 10፣ 59:3
ኢሳ. 57:11ኢሳ 1:3፣ ኤር 2:32፣ 9:3
ኢሳ. 57:11ኢሳ 42:24, 25
ኢሳ. 57:11መዝ 50:21
ኢሳ. 57:12ኢሳ 58:2
ኢሳ. 57:12ኢሳ 66:3
ኢሳ. 57:12ኤር 7:4፣ ሚክ 3:4
ኢሳ. 57:13መሳ 10:14፣ ኢሳ 42:17
ኢሳ. 57:13ኢሳ 56:6, 7፣ 66:20፣ ህዝ 20:40፣ ዮኤ 3:17
ኢሳ. 57:14ኢሳ 35:8፣ 40:3፣ 62:10
ኢሳ. 57:15ዘፍ 21:33፣ መዝ 90:2፣ ኢሳ 40:28፣ 1ጢሞ 1:17
ኢሳ. 57:15ዘጸ 15:11፣ ሉቃ 1:46, 49
ኢሳ. 57:151ነገ 8:27
ኢሳ. 57:15መዝ 34:18፣ 147:3፣ ኢሳ 61:1፣ 66:2
ኢሳ. 57:16መዝ 103:9፣ ሚክ 7:18
ኢሳ. 57:16እዮ 34:14, 15
ኢሳ. 57:17ኤር 6:13፣ 8:10
ኢሳ. 57:17ኤር 3:14
ኢሳ. 57:18ኤር 33:6፣ ሆሴ 14:4
ኢሳ. 57:18ኢሳ 49:10
ኢሳ. 57:18ኢሳ 12:1፣ 61:2፣ ድጕ 1:4
ኢሳ. 57:19ኢሳ 48:18፣ ኤፌ 2:17
ኢሳ. 57:21ምሳ 13:9፣ ኢሳ 3:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 57:1-21

ኢሳይያስ

57 ጻድቕ ጠፊኡ፣

ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ግና የልቦን።

እሙናት ሰባት ይውሰዱ፣*+

እቲ ጻድቕ ብሰንኪ* መዓት ከም እተወስደ ግና

ሓደ እኳ ኣየስተውዕልን።

 2 ናብ ሰላም ይኣቱ።

ኵሎም እቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ፡ ኣብ ዓራውቶም* የዕርፉ።

 3 “ኣቱም ደቂ ኣስማተኛ፡

ኣቱም ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን ግና፡

ንስኻትኩምሲ ናብዚ ቕረቡ፦

 4 ንመን ኢኹም እተላግጹሉ፧

ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም መልሓስኩም እተውጽኡሉ፧

ንስኻትኩምሲ ደቂ ኣበሳ፡

ደቂ ምትላል፡+

 5 ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣእዋም፡+ ኣብ ትሕቲ ልሙዕ ኦም+

ብፍትወት ዝረሰንኩም፡

ውሉዳት ኣብ ስንጭሮታት፡*

ኣብ ትሕቲ ቋቝራታት ኣኻውሕ እትሓርዱ ደይኰንኩምን፧+

 6 ግደኺ ምስ ልሙጻት ኣእማን ስንጭሮ* እዩ።+

እወ፡ እዚኣቶም ዕጫኺ እዮም።

ንዓታቶም እኳ መስዋእቲ መስተ ኣፍሲስክሎም፡ መባእ እውን ኣቕሪብክሎም።+

በዚዶ ኽሕጐስ* እየ፧

 7 ኣብ ልዑልን በሪኽን ከረን ዓራትኪ ኣዳሊኺ፣+

መስዋእቲ ኽትስውኢ እውን ናብኡ ደዪብኪ።+

 8 ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ጌርኪ።

ንዓይ ሓዲግኪ ተቐሊዕኪ።

ደዪብኪ ዓራትኪ ኣርሒብኪ።

ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቲኺ።

ምሳታቶም ኣብ ዓራት ምድቃስ ፈቲኺ፣+

ብልዕቶም ከኣ ጠሚትኪ።*

 9 ዘይቲ ሒዝኪ፡

ብዙሕ ሽቱ ሒዝኪ ናብ ሜሌክ* ወሪድኪ።

ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ልኢኽኪ፣

ስለዚ፡ ናብ መቓብር* ወሪድኪ።

10 ብዙሕ መገድታትኪ ኽትስዕቢ ጽዒርኪ፣

‘እዝስ ዘይከውን እዩ!’ ኣይበልክን።

ሓድሽ ሓይሊ ረኺብኪ።

ስለዚ ኢኺ ዘይተሓለልኪ።*

11 ክትሕስዊ ዝጀመርክስ

ብመን ስለ እትርዕድን እትፈርህን እዩ፧+

ንዓይ ኣይዘከርክንን።+

ኣብ ልብኺ ዘሕደርክዮ ነገር እውን የልቦን።+

ስቕዶ ኣይበልኩን፡ ካብ ነገርዶኸ ኣይተኣለኹን እየ፧*+

ስለዚ፡ ኣይፈራህክንን።

12 ‘ጽድቅኽን’+ ግብርኽን+ ከፍልጥ እየ፣

እዚ ድማ ኣይኪጠቕመክን እዩ።+

13 ምስ እተእውዪ፡

እቶም ዝኣከብክዮም ጣኦታትኪ ኣይኬናግፉኽን እዮም።+

ንዅላቶም ንፋስ ኪወስዶም፡

ትንፋስ ጥራይ ድማ ኪጸርጎም እዩ፣

እቲ ኣባይ ዚምዕቈብ ግና ነታ ምድሪ ኺወርሳ፡

ነቲ ቕዱስ ከረነይ እውን ኪርስተዮ እዩ።+

14 ‘መገዲ ኣጣጥሑ፡ ኣጣጥሑ! ጐደና ጽረጉ!+

ካብ ቅድሚ ህዝበይ መዐንቀፊ ዘበለ ኣልግሱ።’”

15 እቲ ልዑልን እቲ ኽብ ዝበለን፡

እቲ ንዘለኣለም ዚነብር፡+ ስሙ ድማ ቅዱስ ዝዀነስ+ ከምዚ ይብል፦

“ኣብ ልዑልን ቅዱስን ቦታ እየ ዝነብር፣+

ግናኸ፡ መንፈስ ትሑታት ንምሕዳስ፡

ልቢ እተደቝሱ ኸኣ ንምሕዳስ፡

ምስቶም እተደቝሱን ትሑት ዝመንፈሶምን እውን እነብር እየ።+

16 ንዘለኣለምሲ ኣይክጻረሮምን፡

ወትሩ እውን ኣይክቝጥዖምን እየ፣+

ኣብ ቅድመይሲ መንፈስ ሰብ፡

አረ እቶም ዝገበርክዎም ዜስተንፍሱ ፍጡራት እኳ ምደኸሙ።+

17 ዘይግባእ ረብሓ ንምድላይ ብዝገበሮ ሓጢኣት ተቘጢዐ ነይረ፣+

ስለዚ፡ ወቒዐዮ፡ ገጸይ ሓቢአ፡ ተቘጢዐ ድማ።

ንሱ ግና መገዲ ልቡ እናሰዓበ ኸዳዕ ኰይኑ ተመላሊሱ።+

18 መገድታቱ ርእየዮ እየ፣

ግናኸ፡ ከሕውዮን+ ክመርሖን+ እየ፣

ንዕኡን ንሕዙናቱን ከኣ መጸናንዒ ኽመልሰሎም* እየ።”+

19 “ፍረ ኸናፍር እፈጥር ኣለኹ።

ኣብ ርሑቕ ንዘሎን ኣብ ቀረባ ንዘሎን ቀጻሊ ሰላም ኪውሃብ እዩ”+ ይብል የሆዋ፡

“ከሕውዮ ድማ እየ።”

20 “እኩያት ግና ከምቲ ኺሃድእ ዘይክእል ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፣

ማያቱ ኸኣ ተኽሊ ባሕርን ጸብርን የውጽእ።

21 ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ