ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ንቐነዲል ማሕደር ዚኸውን ዘይቲ (1-4)

      • ቅጫታት እንጌራ ምርኣይ (5-9)

      • ስም ኣምላኽ ዝጸረፈ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ (10-23)

ዘሌዋውያን 24:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 27:20, 21፣ ዘሁ 8:2

ዘሌዋውያን 24:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 25:31፣ 39:33, 37፣ እብ 9:2

ዘሌዋውያን 24:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 4.4 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዘሌዋውያን 24:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 25:23, 24፣ 1ነገ 7:48
  • +ዘጸ 40:22, 23፣ 1ሳሙ 21:4፣ ማር 2:25, 26

ዘሌዋውያን 24:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንመዘከርታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 2:2፣ 6:15

ዘሌዋውያን 24:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 4:7፣ 1ዜና 9:32፣ 2ዜና 2:4

ዘሌዋውያን 24:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 21:22፣ 22:10፣ 1ሳሙ 21:4, 6፣ ማቴ 12:3, 4፣ ሉቃ 6:3, 4
  • +ዘሌ 6:14, 16

ዘሌዋውያን 24:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:38፣ ዘሁ 11:4

ዘሌዋውያን 24:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ ፍ. 15ን 16ን ከም እተሓበረ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:7፣ 22:28፣ ዘሌ 19:12
  • +ዘጸ 18:22

ዘሌዋውያን 24:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 18:15, 16፣ ዘሁ 15:32, 34

ዘሌዋውያን 24:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 15:32, 35፣ ዘዳ 17:7

ዘሌዋውያን 24:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 5:11

ዘሌዋውያን 24:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ ሰብ ወቒዑ ምስ ዚቐትል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12፣ ዘሁ 35:31፣ ዘዳ 19:11-13

ዘሌዋውያን 24:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ እንስሳ ወቒዑ ዝቐተለ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ።”

ዘሌዋውያን 24:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:23, 24

ዘሌዋውያን 24:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 19:21፣ ማቴ 5:38

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2009፡ ገጽ 22

ዘሌዋውያን 24:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:1
  • +ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12

ዘሌዋውያን 24:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:49፣ ዘሌ 17:10፣ 19:34፣ ዘሁ 9:14፣ 15:16

ዘሌዋውያን 24:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 15:33, 36፣ ዘዳ 17:7

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 24:2ዘጸ 27:20, 21፣ ዘሁ 8:2
ዘሌ. 24:4ዘጸ 25:31፣ 39:33, 37፣ እብ 9:2
ዘሌ. 24:6ዘጸ 25:23, 24፣ 1ነገ 7:48
ዘሌ. 24:6ዘጸ 40:22, 23፣ 1ሳሙ 21:4፣ ማር 2:25, 26
ዘሌ. 24:7ዘሌ 2:2፣ 6:15
ዘሌ. 24:8ዘሁ 4:7፣ 1ዜና 9:32፣ 2ዜና 2:4
ዘሌ. 24:9ዘሌ 21:22፣ 22:10፣ 1ሳሙ 21:4, 6፣ ማቴ 12:3, 4፣ ሉቃ 6:3, 4
ዘሌ. 24:9ዘሌ 6:14, 16
ዘሌ. 24:10ዘጸ 12:38፣ ዘሁ 11:4
ዘሌ. 24:11ዘጸ 20:7፣ 22:28፣ ዘሌ 19:12
ዘሌ. 24:11ዘጸ 18:22
ዘሌ. 24:12ዘጸ 18:15, 16፣ ዘሁ 15:32, 34
ዘሌ. 24:14ዘሁ 15:32, 35፣ ዘዳ 17:7
ዘሌ. 24:16ዘዳ 5:11
ዘሌ. 24:17ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12፣ ዘሁ 35:31፣ ዘዳ 19:11-13
ዘሌ. 24:19ዘጸ 21:23, 24
ዘሌ. 24:20ዘዳ 19:21፣ ማቴ 5:38
ዘሌ. 24:21ዘጸ 22:1
ዘሌ. 24:21ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12
ዘሌ. 24:22ዘጸ 12:49፣ ዘሌ 17:10፣ 19:34፣ ዘሁ 9:14፣ 15:16
ዘሌ. 24:23ዘሁ 15:33, 36፣ ዘዳ 17:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 24:1-23

ዘሌዋውያን

24 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “እቲ ቐነዲል ወትሩ ምእንቲ ኺበርህ፡ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ እተጐድአ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም።+ 3 ኣሮን ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ምስክር፡ እቲ ቐነዲል ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ወትሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውላዕ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን። 4 ነቲ ቐነዲል ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዴል+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ።

5 “ድኹም ሓርጭ ወሲድካ 12 ዓንኬላዊ ቕጫ ሰንክት። ንሓደ ቕጫ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ይኹን። 6 ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ሰደቓ ድማ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በብሽዱሽተ ደራሪብካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ።+ 7 ኣብ ለልዕሊ እቲ መስርዕ ጽሩይ ጻዕዳ ዕጣን ኣንብር፣ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ዚኸውን እንጌራ ኸኣ ኪኸውን እዩ። 8 ሰንበት ሰንበት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ።+ እዚ ንእስራኤላውያን ናይ ሓዋሩ ኺዳን እዩ። 9 ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ከኣ ይኹን፣+ ካብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ንዕኡ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኖም ይብልዕዎ።+ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት እዩ።”

10 ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ድማ፡ ሓደ ወዲ እስራኤላዊት ሰበይትን ግብጻዊ ሰብኣይን ነበረ፣+ ንሱን ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ከኣ ኣብ ሰፈር ተባእሱ። 11 ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ፡ ነቲ ስም* ጸረፈን ረገመን።+ ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ።+ ኣዲኡ ኸኣ ሸሎሚት፡ ጓል ዲብሪ ኻብ ነገድ ዳን ነበረት። 12 ውሳነ የሆዋ ክሳዕ ዚግለጸሎም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሕዎ።+

13 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 14 “ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፣ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ የንብሩ፣ ድሕሪኡ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ።+ 15 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ እንተ ረጊሙ፡ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 16 ስለዚ፡ እቲ ስም የሆዋ ዚጸርፍ፡ ብርግጽ ይቀተል።+ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ብርግጽ ይቕተሎ። ጓና ዀነ ወዲ ዓዲ፡ ስም ኣምላኽ ዚጸርፍ ይቀተል።

17 “‘ሰብ፡ ህይወት ሰብ ምስ ዚቐትል፡* ብርግጽ ይቀተል።+ 18 እንስሳ ዘቤት ወቒዑ ዝቐተለ፡* ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት* ይኽሓስ። 19 ሰብ ንብጻዩ ምስ ዚጐድኦ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይገበር።+ 20 ኣብ ክንዲ መስበርቲ፡ መስበርቲ፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ይገበር።+ 21 እንስሳ ወቒዑ ዝቐተለ፡ ይኽሓስ፣+ ሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ግና፡ ይቀተል።+

22 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ዀነ ንወዲ ዓዲ፡+ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።’”

23 ሙሴ ኸኣ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ