ዘሌዋውያን
24 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “እቲ ቐነዲል ወትሩ ምእንቲ ኺበርህ፡ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ እተጐድአ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም።+ 3 ኣሮን ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ምስክር፡ እቲ ቐነዲል ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ወትሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውላዕ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን። 4 ነቲ ቐነዲል ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዴል+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ።
5 “ድኹም ሓርጭ ወሲድካ 12 ዓንኬላዊ ቕጫ ሰንክት። ንሓደ ቕጫ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ይኹን። 6 ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ሰደቓ ድማ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በብሽዱሽተ ደራሪብካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ።+ 7 ኣብ ለልዕሊ እቲ መስርዕ ጽሩይ ጻዕዳ ዕጣን ኣንብር፣ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ዚኸውን እንጌራ ኸኣ ኪኸውን እዩ። 8 ሰንበት ሰንበት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ።+ እዚ ንእስራኤላውያን ናይ ሓዋሩ ኺዳን እዩ። 9 ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ከኣ ይኹን፣+ ካብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ንዕኡ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኖም ይብልዕዎ።+ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት እዩ።”
10 ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ድማ፡ ሓደ ወዲ እስራኤላዊት ሰበይትን ግብጻዊ ሰብኣይን ነበረ፣+ ንሱን ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ከኣ ኣብ ሰፈር ተባእሱ። 11 ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ፡ ነቲ ስም* ጸረፈን ረገመን።+ ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ።+ ኣዲኡ ኸኣ ሸሎሚት፡ ጓል ዲብሪ ኻብ ነገድ ዳን ነበረት። 12 ውሳነ የሆዋ ክሳዕ ዚግለጸሎም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሕዎ።+
13 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 14 “ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፣ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ የንብሩ፣ ድሕሪኡ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ።+ 15 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ እንተ ረጊሙ፡ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 16 ስለዚ፡ እቲ ስም የሆዋ ዚጸርፍ፡ ብርግጽ ይቀተል።+ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ብርግጽ ይቕተሎ። ጓና ዀነ ወዲ ዓዲ፡ ስም ኣምላኽ ዚጸርፍ ይቀተል።
17 “‘ሰብ፡ ህይወት ሰብ ምስ ዚቐትል፡* ብርግጽ ይቀተል።+ 18 እንስሳ ዘቤት ወቒዑ ዝቐተለ፡* ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት* ይኽሓስ። 19 ሰብ ንብጻዩ ምስ ዚጐድኦ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይገበር።+ 20 ኣብ ክንዲ መስበርቲ፡ መስበርቲ፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ይገበር።+ 21 እንስሳ ወቒዑ ዝቐተለ፡ ይኽሓስ፣+ ሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ግና፡ ይቀተል።+
22 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ዀነ ንወዲ ዓዲ፡+ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።’”
23 ሙሴ ኸኣ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።