ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ኣብ ቤተ መቕደሱ ኸሎ እተራእየ ራእይ (1-4)

        • “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ” (3)

      • ከናፍር ኢሳይያስ ነጽሀ (5-7)

      • ኢሳይያስ ተመዘዘ (8-10)

        • “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” (8)

      • “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” (11-13)

ኢሳይያስ 6:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 26:23
  • +1ነገ 22:19፣ ዳን 7:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 83

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 26

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2011፡ ገጽ 26

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” 2ዜና-ኢሳ፡ ገጽ 29-30

ኢሳይያስ 6:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2011፡ ገጽ 26

ኢሳይያስ 6:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:11፣ ራእ 4:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2011፡ ገጽ 26

ኢሳይያስ 6:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብድምጺ እቲ ዚድሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 15:8

ኢሳይያስ 6:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከም ዝብል ተገበርኩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 32-34

ኢሳይያስ 6:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 8:5
  • +ህዝ 10:2

ኢሳይያስ 6:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 1:26፣ ዮሃ 1:1, 2፣ 12:41
  • +መዝ 110:3፣ ማቴ 4:19, 20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2012፡ ገጽ 29-30

    1/12/2006፡ ገጽ 9

    15/6/1998፡ ገጽ 24

ኢሳይያስ 6:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:21፣ ማቴ 13:14፣ ሉቃ 8:9, 10፣ ግብ 28:25, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/1994፡ ገጽ 29

ኢሳይያስ 6:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:7
  • +ኤር 6:10፣ ዮሃ 3:20
  • +ማቴ 13:15፣ ግብ 28:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    የሱስ—መገዲ፡ ገጽ 242

ኢሳይያስ 6:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 3:26፣ 24:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:11

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 6:12ዜና 26:23
ኢሳ. 6:11ነገ 22:19፣ ዳን 7:9
ኢሳ. 6:3ዘጸ 15:11፣ ራእ 4:8
ኢሳ. 6:4ራእ 15:8
ኢሳ. 6:5ኢሳ 29:13
ኢሳ. 6:6ራእ 8:5
ኢሳ. 6:6ህዝ 10:2
ኢሳ. 6:8ዘፍ 1:26፣ ዮሃ 1:1, 2፣ 12:41
ኢሳ. 6:8መዝ 110:3፣ ማቴ 4:19, 20
ኢሳ. 6:9ኤር 5:21፣ ማቴ 13:14፣ ሉቃ 8:9, 10፣ ግብ 28:25, 26
ኢሳ. 6:10ህዝ 3:7
ኢሳ. 6:10ኤር 6:10፣ ዮሃ 3:20
ኢሳ. 6:10ማቴ 13:15፣ ግብ 28:27
ኢሳ. 6:112ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 3:26፣ 24:1
ኢሳ. 6:122ነገ 25:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 6:1-13

ኢሳይያስ

6 በታ ንጉስ ዑዝያ ዝሞተላ ዓመት፡+ የሆዋ ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ፡+ ወሰን እቲ ወለል ዚብል ክዳኑ ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ረኣኹ። 2 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮ። ነፍሲ ወከፍ* በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ንኣእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ እውን ይነፍር ነበረ።

 3 ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።+

ብዘላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ኢሉ ኣድሃየ።

4 ወንድወንዶታት እቲ ልዳውቲ ድማ ብደሃይ እቲ ጭድርታ* ኣንቀጥቀጠ፣ እታ ቤት እውን ብትኪ መልአት።+

 5 ሽዑ፡ ኣነ፡ “ወይለይ!

ኣብ መንጎ ርኹስ ዝኸናፍሩ ህዝቢ ዝነብር+

ርኹስ ዝኸናፍሩ ሰብ እየ፣

ኣዒንተይ ከኣ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየናኦ እየን እሞ

ጠፋእኩ!”* በልኩ።

6 ሓደ ኻብቶም ሱራፌል ድማ ናባይ ነፈረ፣ ኣብ ኢዱ ኸኣ ካብቲ መሰውኢ+ ብመንቀርቀር ዝወሰዶ ጓህሪ+ ሒዙ ነበረ። 7 ኣፈይ ተንከየ እሞ፡

“እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንክይዎ እዩ።

በደልካ ርሒቑልካ፡

ሓጢኣትካ እውን ብዕርቂ ተኸዲኑልካ እዩ” በለ።

8 ሽዑ፡ “ንመን ክልእኽ እየ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧”+ ዚብል ድምጺ የሆዋ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” በልኩ።+

 9 ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ በሎ፦

‘ደጋጊምኩም ክትሰምዑ፡

ግናኸ ኣይክትርድኡን ኢኹም፣

ደጋጊምኩም እውን ክትርእዩ፡

ግናኸ ኣይክትፈልጡን ኢኹም።’+

10 ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡

ብኣእዛኖም ድማ ከይሰምዑ፡

ልቦም ከኣ ከይርዳእ፡

ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፡

ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ኣደንዝዝ፡+

ኣእዛኖም ድማ ኣጽምም፡+

ኣዒንቶም እውን ዓምት።”+

11 ኣነ ኸኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” በልኩ። ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦

“ከተማታት ነባሪ ዘይብለን ኰይነን ክሳዕ ዚዓንዋ፡

ኣባይቲ ኸኣ ብዘይ ሰብ ክሳዕ ዚዀና፡

እታ ምድሪ እውን ክሳዕ እትዓኑን እትባድምን፣+

12 የሆዋ ንሰባት ክሳዕ ዜርሕቖም፡+

እቲ ዝባደመ ኽፋል እታ ምድሪ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚሰፍሕ።

13 “ግናኸ፡ ዕሽር ኣብኣ ኺተርፍ እዩ፣ ከምቲ ምስ ተቘርጸ፡ ጕርማጽ ዚሓድግ ዓብዪ ኦምን ገዚፍ ኦምን ድማ መሊሳ ኽትነድድ እያ፣ ቅዱስ ዘርኢ ኸኣ ጕርማጻ ኪኸውን እዩ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ