ኢሳይያስ
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብርግጽ ከምዚ ኽትብል ኢኻ፦
2 እንሆ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ እዩ።+
3 ካብ ዓይኒ ማያት ድሕነት+
ብታሕጓስ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ኽትብሉ ኢኹም፦
“ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፣
ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+
ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።+
5 ዓበይቲ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+
እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ።
6 እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡
ኣቲ ነባሪት* ጽዮን፡ ጨድሪ፡ እልል በሊ።”