ኣሞጽ
4 “ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ+ ዘለኽን ኣሓ ባሳን፡
ኣትን ንትሑታት እትዕምጻን+ ንድኻታት እትጭፍልቓን፡
ንሰብኡትክን* ከኣ፡ ‘ዚስተ ኣምጽኡልና’ እትብላ፡
እዚ ቓል እዚ ስምዓ።
2 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብቕድስናኡ ምሒሉ ኣሎ፦
‘“እንሆ፡ ንሱ ብዓንቃሪቦ ሓራድ ስጋ፡
ካባኻትክን ዝተረፋ ድማ ብመቝለብ ዓሳ ዜልዕለለን መዓልትታት ኣባኻትክን ይመጻ ኣለዋ።
3 ነፍሲ ወከፍክን ትኽ ኢልክን በቲ ኣብ መካበብያ ዚህሉ ፍሩሳት ክትወጻ ኢኽን፣
ናብ ሃርሞን ከኣ ክትድርበያ ኢኽን” ይብል የሆዋ።’
5 ካብ ዝበዅዐ እንጌራ መስዋእቲ ምስጋና ኣሕርሩ፣+
መስዋእቲ ፍታውኩም ዓው ኢልኩም ኣውጁ!
ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ምግባር ኢኹም እትፈትዉ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።
6 ‘ኣነ ኸኣ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ንኣስናንኩም ካብ ምግቢ ኣጽርየዮ፣*
ኣብ ኵለን ኣባይቲ እውን እንጌራ ኸም ዚስኣን ገይረ፣+
ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
7 ‘ኣነ ድማ ንቐውዒ ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዎ ኸሎ፡ ዝናም ከሊአኩም፣+
ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኣዝኒመስ፡ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣየዝነምኩን።
ኣብ ሓንቲ ግራት ዘኒሙስ፡
እታ ዘይዘነማ ሓንቲ ግራት ግና ነቒጻ።
8 ህዝቢ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኸተማ ማይ ኪሰትዩ ሰንከልከል እናበሉ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸይዶም፣+
ግናኸ፡ ኣይረወዩን፣
ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
9 ‘ብሃጕን ብዋግን ወቒዐኩም።+
ስፍራ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣብዚሕኩም፣
ግናኸ፡ ንኣእዋም በለስኩምን ንኣእዋም ኣውልዕኩምን ኣንበጣ በሊዕዎ፣+
ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
10 ‘ከምቲ ናይ ግብጺ ዝዀነ ለበዳ ሰዲደልኩም።+
ንኣጕባዝኩም ብሰይፊ ቐቲለዮም፡+ ንኣፍራስኩም እውን ማሪኸዮም።+
ነቲ ሕማቕ ጨና ሰፈርኩም ናብ ኣፍንጫኹም ኣደይበዮ፣+
ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’ ይብል የሆዋ።
11 ‘ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ዝገልበጠን፡+
ኣብ መንጎኹም እውን ገልቢጠ።
ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንዝዐ እያድ ኔርኩም፣
ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
12 ስለዚ፡ ኣታ እስራኤል፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ።
ኣታ እስራኤል፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡
ንኣምላኽካ ኽትረኽቦ ተዳሎ።