ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ሰሎሞን ንጓል ፈርኦን ተመርዓዋ (1-3)

      • የሆዋ ንሰሎሞን ብሕልሚ ተራእዮ (4-15)

        • ሰሎሞን ጥበብ ኪውሃቦ ለመነ (7-9)

      • ሰሎሞን ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዴታት ፈረደ (16-28)

1 ነገስት 3:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወሰዳ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:3, 4፣ 1ነገ 7:8፣ 9:24፣ 11:1፣ ነህ 13:25-27
  • +1ነገ 7:1፣ 8:17-19፣ 9:15
  • +2ሳሙ 5:7፣ 1ዜና 11:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2011፡ ገጽ 10

1 ነገስት 3:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:5, 6፣ 1ነገ 5:3፣ 1ዜና 28:6
  • +2ዜና 33:17

1 ነገስት 3:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:9፣ 10:8፣ 1ዜና 21:26

1 ነገስት 3:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዓባይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 16:39, 40፣ 21:29
  • +2ዜና 1:3-6

1 ነገስት 3:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 1:7-10

1 ነገስት 3:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:1, 4

1 ነገስት 3:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንእሽቶ ወድን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምውጻእን ምእታውን ዘይፈልጥን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:1፣ ኤር 1:6

1 ነገስት 3:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:5, 6

1 ነገስት 3:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣጸጋሚ” ኪኸውን ይኽእል። ቃ.ቃ.፡ “ከቢድ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 5:14
  • +መዝ 72:1፣ 119:34

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 27

    15/7/1998፡ ገጽ 29-31

1 ነገስት 3:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 15:8

1 ነገስት 3:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብዙሕ መዓልትታት።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ ጸላእትኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 22:12፣ 29:19፣ 2ዜና 1:11, 12፣ ምሳ 16:16

1 ነገስት 3:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 1:16፣ 1ዮሃ 5:14
  • +1ነገ 4:29፣ ምሳ 2:3-5፣ ያእ 1:5
  • +ማቴ 12:42

1 ነገስት 3:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብዅሉ መዓልትታትካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 4:21፣ መዝ 84:11፣ መክ 7:11፣ ማቴ 6:33፣ ኤፌ 3:20
  • +1ነገ 10:23

1 ነገስት 3:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታትካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:5
  • +መዝ 21:4፣ 91:14, 16፣ ምሳ 3:13, 16

1 ነገስት 3:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 7:11

1 ነገስት 3:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ፈርህዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:9, 10
  • +1ዜና 29:23-25፣ መዝ 72:5

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 3:1ዘዳ 7:3, 4፣ 1ነገ 7:8፣ 9:24፣ 11:1፣ ነህ 13:25-27
1 ነገ. 3:11ነገ 7:1፣ 8:17-19፣ 9:15
1 ነገ. 3:12ሳሙ 5:7፣ 1ዜና 11:7
1 ነገ. 3:2ዘዳ 12:5, 6፣ 1ነገ 5:3፣ 1ዜና 28:6
1 ነገ. 3:22ዜና 33:17
1 ነገ. 3:31ሳሙ 7:9፣ 10:8፣ 1ዜና 21:26
1 ነገ. 3:41ዜና 16:39, 40፣ 21:29
1 ነገ. 3:42ዜና 1:3-6
1 ነገ. 3:52ዜና 1:7-10
1 ነገ. 3:61ነገ 2:1, 4
1 ነገ. 3:71ዜና 29:1፣ ኤር 1:6
1 ነገ. 3:8ዘጸ 19:5, 6
1 ነገ. 3:9እብ 5:14
1 ነገ. 3:9መዝ 72:1፣ 119:34
1 ነገ. 3:10ምሳ 15:8
1 ነገ. 3:111ዜና 22:12፣ 29:19፣ 2ዜና 1:11, 12፣ ምሳ 16:16
1 ነገ. 3:12መክ 1:16፣ 1ዮሃ 5:14
1 ነገ. 3:121ነገ 4:29፣ ምሳ 2:3-5፣ ያእ 1:5
1 ነገ. 3:12ማቴ 12:42
1 ነገ. 3:131ነገ 4:21፣ መዝ 84:11፣ መክ 7:11፣ ማቴ 6:33፣ ኤፌ 3:20
1 ነገ. 3:131ነገ 10:23
1 ነገ. 3:141ነገ 15:5
1 ነገ. 3:14መዝ 21:4፣ 91:14, 16፣ ምሳ 3:13, 16
1 ነገ. 3:15ዘሌ 7:11
1 ነገ. 3:281ነገ 3:9, 10
1 ነገ. 3:281ዜና 29:23-25፣ መዝ 72:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 3:1-28

1 ነገስት

3 ሰሎሞን ድማ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዋሰበ። ንጓል ፈርኦን ተመርዓዋ* እሞ፡+ ቤቱን ቤት የሆዋን ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዚርከብ መካበብያን ሃኒጹ ኽሳዕ ዚውድእ፡+ ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ።+ 2 ግናኸ፡ ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ንስም የሆዋ ቤት ኣይተሃንጸትን ነበረት እሞ፡+ እቶም ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡ ነበሩ።+ 3 ሰሎሞን ድማ ብሕግታት ኣቦኡ ዳዊት ብምምልላስ፡ ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ፣ ሓንትስ ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+

4 ጊብዖን ምርእይቲ* በራኽ ነበረት እሞ፡ ንጉስ ኪስውእ ናብኣ ኸደ።+ ሰሎሞን ከኣ ኣብቲ መሰውኢ እቲ፡ 1,000 ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ።+ 5 ኣብ ጊብዖን ድማ የሆዋ ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” በሎ።+ 6 ሰሎሞን ድማ ከምዚ በለ፦ “ንስኻ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብጽድቅን ብቕንዕና ልብን እተመላለሰ፡ ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ ኢኻ። ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ወዲ ብምሃብ ከኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ ኢኻ።+ 7 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ መንእሰይን* ዘይምኩርን* ክነሰይ፡+ ንጊልያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንጊስካዮ ኢኻ። 8 ጊልያኻ ኸኣ ኣብ መንጎ እዚ ዝሓረኻዮ ህዝብኻ፡+ ኣብ መንጎ እዚ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ዘይቍጸርን ዘይጽብጸብን ህዝቢ እዩ ዘሎ። 9 ነዚ ብዙሕ* ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧ ስለዚ፡ ንጊልያኻ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ+ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡+ እዙዝ ልቢ ሃቦ።”

10 ሰሎሞን እዚ ነገር እዚ ምልማኑ፡ ንየሆዋ ባህ ኣበሎ።+ 11 ኣምላኽ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እዚ ነገር እዚ ስለ ዝለመንካ፡ ንርእስኻ ነዊሕ ዕድመ* ወይ ሃብቲ ወይ ሞት ጸላእትኻ* ስለ ዘይለመንካ፡ የግዳስ፡ ፍርዳዊ ጕዳይ ንምስማዕ ኣእምሮ ስለ ዝለመንካ፡+ 12 ከምቲ ዝለመንካዮ ኽገብረልካ እየ።+ ጥበበኛን ዚርዳእን ልቢ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ከምቲ ብቕድሜኻ ኸማኻ ዝበለ ዘይነበረ፡ ብድሕሬኻ እውን ከማኻ ዝበለ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ።+ 13 ብተወሳኺ ድማ፡ ዘይለመንካዮ ሃብትን ክብርን ክህበካ እየ እሞ፡+ ብዅሉ ዘመንካ* ኸማኻ ዝበለ ኻልእ ንጉስ ኣይኪህሉን እዩ።+ 14 ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ኸኣ፡+ ስርዓታተይን ትእዛዛተይን ብምሕላው ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ዕድሜኻ* ኸንውሕ እየ።”+

15 ሰሎሞን ምስ ተበራበረ፡ ሕልሚ ምንባሩ ፈለጠ። ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ደው በለ፣ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን+ እውን ኣቕረበ፣ ንዅሎም ገላዉኡ ድማ ድግስ ገበረሎም።

16 ሽዑ፡ ክልተ ኣመናዝር ናብ ንጉስ መጺአን፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ። 17 እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “በጃኻ ጐይታይ፡ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር፣ ንሳ ኣብታ ቤት ከላ ኸኣ፡ ኣነ ወሊደ። 18 ኣብ ሳልስቲ እታ ዝወለድኩላ መዓልቲ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እውን ወሊዳ። ብሓንሳእ ድማ ኔርና፣ ብዘይካ ኽልቴና፡ ኣብታ ቤት ካልእ ምሳና ኣይነበረን። 19 ለይቲ፡ ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት፡ ሞይቱ። 20 ፍርቂ ለይቲ ተንሲኣ ኸኣ፡ ግዝእትኻ ደቂሳ ኸላ፡ ወደይ ካብ ጐድነይ ወሲዳ፡ ኣብ ሕቝፋ ኣደቂሳቶ፣ ነቲ ምዉት ወዲ ግና ኣብ ሕቝፈይ ኣደቂሳቶ። 21 ንግሆ ንወደይ ከጥብዎ ኢለ ምስ ተንሳእኩ፡ ሞይቱ ጸኒሑኒ። ንግሆ ኣጸቢቐ እንተ መርመርክዎ፡ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ዘይምዃኑ ርእየ።” 22 እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ኣይፋልን፡ እቲ ህያውሲ ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ” በለት። እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ኣይፋልን፡ እቲ ምዉት ደኣ ወድኺ እዩ፡ እቲ ህያው ግና ወደይ እዩ” በለት። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተማጐታ።

23 ሽዑ፡ ንጉስ፡ “እዚኣ፡ ‘እዚ ህያው ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ድማ ወድኺ እዩ’ ትብል ኣላ፣ እቲኣ ኸኣ፡ ‘ኣይፋልን፡ እቲ ምዉት ደኣ ወድኺ እዩ፡ እቲ ህያው ግና ወደይ እዩ’ ትብል ኣላ” በለ። 24 ንጉስ ድማ፡ “ሰይፊ ኣምጽኡለይ” በለ። ናብ ንጉስ ከኣ ሰይፊ ኣምጽኡ። 25 ንጉስ ድማ፡ “ነቲ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጽኩም፡ ፍርቁ ነዛ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ፍርቁ ድማ ነታ ሓንቲ ሃብወን” በለ። 26 ሽዑ፡ እታ ወዳ ህያው ዝዀነ ሰበይቲ ንወዳ ስለ ዝራሕርሐትሉ፡ ንንጉስ፡ “በጃኻ ጐይታይ፡ እቲ ህያው ሕጻን ንዓኣ ሃብዋ እምበር፡ ፈጺምኩም ኣይትቕተልዎ” ኢላ ለመነቶ። እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ንዓይ ወይ ንዓኺ ኣይኹን። ይቝረጽዎ ደኣ” በለት። 27 ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ንሳ ኣዲኡ እያ እሞ፡ ነቲ ህያው ሕጻን ነዛ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ። ፈጺምኩም ኣይትቕተልዎ” ኢሉ መለሰ።

28 ኵሎም እስራኤል ድማ ነቲ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ሰምዑ፣ ፍትሒ ንምውጻእ ጥበብ ኣምላኽ ምስኡ ኸም ዘሎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡+ ንንጉስ ኣኽበርዎ።*+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ