ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ምልክት ብዚኸውን ተግባራት፡ ብዛዕባ ስደት ተነግረ (1-20)

        • ናብ ስደት ዚኸይድ ኣቕሑ (1-7)

        • ሹም ብጸልማት ኪኸይድ እዩ (8-16)

        • እንጌራ ጭንቀት፡ ማይ ራዕዲ (17-20)

      • ዜታልል ምስላ፡ ሓሶት ምዃኑ ተረጋገጸ (21-28)

        • “ካብ ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ” (28)

ህዝቅኤል 12:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 2:3, 5
  • +ኢሳ 6:9, 10፣ ኤር 5:21፣ ሮሜ 11:8

ህዝቅኤል 12:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:20፣ ኤር 52:10, 11

ህዝቅኤል 12:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:4

ህዝቅኤል 12:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:18፣ ህዝ 4:3፣ 24:24

ህዝቅኤል 12:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:7፣ ህዝ 21:25

ህዝቅኤል 12:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 24:24
  • +ኤር 52:15

ህዝቅኤል 12:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:4፣ ኤር 39:4

ህዝቅኤል 12:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 52:9፣ ህዝ 17:20, 21
  • +2ነገ 25:6, 7፣ ኤር 34:3፣ 52:11፣ ህዝ 17:16

ህዝቅኤል 12:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:5
  • +ዘሌ 26:33፣ ኤር 42:15, 16

ህዝቅኤል 12:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:26

ህዝቅኤል 12:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 107:33, 34፣ ኤር 6:7
  • +ኢሳ 6:11፣ ዘካ 7:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 53

ህዝቅኤል 12:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 64:10፣ ኤር 25:9
  • +ህዝ 6:13

ህዝቅኤል 12:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:19፣ ኣሞ 6:3፣ 2ጴጥ 3:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 53

ህዝቅኤል 12:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 2:1፣ ጸፎ 1:14

ህዝቅኤል 12:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜታልል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:14፣ ድጕ 2:14፣ ህዝ 13:23

ህዝቅኤል 12:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:17፣ ዘካ 1:6
  • +ኤር 16:9፣ ኣን 1:5

ህዝቅኤል 12:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:19፣ 28:15፣ 2ጴጥ 3:3, 4

ሓፈሻዊ

ህዝ. 12:2ህዝ 2:3, 5
ህዝ. 12:2ኢሳ 6:9, 10፣ ኤር 5:21፣ ሮሜ 11:8
ህዝ. 12:42ዜና 36:20፣ ኤር 52:10, 11
ህዝ. 12:52ነገ 25:4
ህዝ. 12:6ኢሳ 8:18፣ ህዝ 4:3፣ 24:24
ህዝ. 12:10ኤር 21:7፣ ህዝ 21:25
ህዝ. 12:11ህዝ 24:24
ህዝ. 12:11ኤር 52:15
ህዝ. 12:122ነገ 25:4፣ ኤር 39:4
ህዝ. 12:13ኤር 52:9፣ ህዝ 17:20, 21
ህዝ. 12:132ነገ 25:6, 7፣ ኤር 34:3፣ 52:11፣ ህዝ 17:16
ህዝ. 12:142ነገ 25:5
ህዝ. 12:14ዘሌ 26:33፣ ኤር 42:15, 16
ህዝ. 12:18ዘሌ 26:26
ህዝ. 12:19መዝ 107:33, 34፣ ኤር 6:7
ህዝ. 12:19ኢሳ 6:11፣ ዘካ 7:14
ህዝ. 12:20ኢሳ 64:10፣ ኤር 25:9
ህዝ. 12:20ህዝ 6:13
ህዝ. 12:22ኢሳ 5:19፣ ኣሞ 6:3፣ 2ጴጥ 3:3, 4
ህዝ. 12:23ዮኤ 2:1፣ ጸፎ 1:14
ህዝ. 12:24ኤር 14:14፣ ድጕ 2:14፣ ህዝ 13:23
ህዝ. 12:25ድጕ 2:17፣ ዘካ 1:6
ህዝ. 12:25ኤር 16:9፣ ኣን 1:5
ህዝ. 12:27ኢሳ 5:19፣ 28:15፣ 2ጴጥ 3:3, 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 12:1-28

ህዝቅኤል

12 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ኣብ ዓላዊት ቤት ኢኻ እትነብር ዘለኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡+ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣ ንምስማዕ ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን።+ 3 ንስኻ ድማ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ስደት ክትከይድ ንዓኻ ኣቕሑ ጕዕዞ ኣዳሉ። ድሕሪኡ፡ ብመዓልቲ ንሳቶም እናረኣዩ፡ ናብ ስደት ኪድ። እናረኣዩ ኻብ ዓድኻ ናብ ካልእ ቦታ ናብ ስደት ኪድ። ዓላዊት ቤት እኳ እንተ ዀኑ፡ ምናልባት የስተብህሉ ይዀኑ። 4 ብመዓልቲ እናረኣዩ ነቲ ናብ ስደት ንምኻድ እተጠርነፈ ኣቕሑ ጕዕዞኻ ኣውጽእ፣ ብምሸት እናረኣዩ ኸኣ፡ ናብ ስደት ከም ዚውሰድ ሰብ ኴንካ ኺድ።+

5 “እናረኣዩ፡ ነቲ መንደቕ ኵዒትካ ኣንኵሎ፣ ብእኡ ድማ ንብረትካ ኣውጽእ።+ 6 እናረኣዩ፡ ንንብረትካ ኣብ መንኵብካ ግበሮ፡ ብጸልማት ከኣ ጾይርካ ኣውጽኣዮ። ኣብ ቤት እስራኤል ምልክት እገብረካ ኣለኹ እሞ፡+ ምድሪ ኸይትርእስ ገጽካ ሸፍን።”

7 ኣነ ድማ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ። ብመዓልቲ ንኣቕሑ ጕዕዞይ ናብ ስደት ከም ዚኸይድ ኣቕሑ ጕዕዞ ገይረ ኣውጻእክዎ፣ ብምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኵዒተ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ንብረተይ ኣብ መንኵበይ ጾይረ ኣውጻእኩ።

8 ንግሆ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 9 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል፡ እታ ዓላዊት ቤት፡ ‘እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧’ ኢላዶ ኣይሓተተትካን፧ 10 ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እዚ ኸቢድ መልእኽቲ እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ሹምን+ ንዅሎም እቶም ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ዘለዉ ቤት እስራኤልን ዚምልከት እዩ”’ በሎም።

11 “ከምዚ በል፦ ‘ኣነ ንዓኻትኩም ምልክት እየ።+ ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ንሳቶም ከምኡ ኺግበሩ እዮም። ናብ ስደት፡ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።+ 12 እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሹም ንብረቱ ኣብ መንኵቡ ገይሩ ብጸልማት ኪኸይድ እዩ። ነቲ መንደቕ ኵዒቱ ኸንኵሎ፡ ብእኡ ንብረቱ ጾይሩ ኺወጽእ እዩ።+ ንምድሪ ኸይርኢ ገጹ ኺሽፍን እዩ።’ 13 መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ ኽድርቢ እየ፣ ብመርበብ ሃድነይ ድማ ኪትሓዝ እዩ።+ ሽዑ፡ ናብ ባቢሎን፡ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጽኦ እየ፣ ንሱ ግና ኣይኪርእያን እዩ፣ ኣብኣ እውን ኪመውት እዩ።+ 14 ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ፡ ነቶም ዚረድእዎን ንሰራዊቱን፡ ናብ ኵሉ ኣንፈት ፋሕ ከብሎም እየ፣+ ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ እውን ክመልሕ እየ።+ 15 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ምስ በተንክዎምን ኣብ መንጎ ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ድማ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 16 ግናኸ፡ ኣብቶም ዚኸድዎም ኣህዛብ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራቶም ምእንቲ ኺነግሩ፡ ሒደት ካባታቶም ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ካብ ለበዳን ክንሕፍ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”

17 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 18 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፡ ማይካ እውን ብነውጽን ብጭንቀትን ስተ።+ 19 ንህዝቢ እታ ምድሪ ኸምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንነበርቲ እታ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘላ የሩሳሌም ኸምዚ ይብል፦ “ምድሮም ብሰሪ ዓመጻ ዅሎም እቶም ኣብኣ ዚቕመጡ+ ጠሪሳ ኽትባድም እያ እሞ፡+ እንጌራኦም ብጭንቀት ኪበልዑ፡ ማዮም እውን ብራዕዲ ኺሰትዩ እዮም። 20 እተን ነበርቲ ዝነበርወን ከተማታት ኪዓንዋ እየን፣ እታ ምድሪ ድማ ባድም ክትከውን እያ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’”+

21 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 22 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣብ እስራኤል ዘሎ፡ ‘መዓልትታት ይሓልፋ፡ ኵሉ ራእይ ድማ ከንቱ ይኸውን’ ዚብል ምስላስ እንታይ እዩ፧+ 23 ስለዚ፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ድሕሪ ደጊም ኣይኪምሰልን እዩ”’ በሎም። ግናኸ፡ ‘እተን መዓልትታት ቀሪበን እየን፣+ ኵሉ ራእይ ድማ ኪፍጸም እዩ’ ኢልካ ንገሮም። 24 ከመይሲ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት እስራኤል ደጊም ናይ ሓሶት ራእይ ወይ ናይ ሽሕጣን* ጥንቈላ ኣይኪህሉን እዩ።+ 25 ‘“ኣነ የሆዋስ ክዛረብ እየ። ኣነ ዝዛረቦ ዘበለ ቓል ከይደንጐየ ኺግበር እዩ።+ ኣቱም ዓላዊት ቤት፡ ብመዓልትታትኩም+ ቃል ክዛረብ፡ ክፍጽሞ እውን እየ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’”

26 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 27 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ህዝቢ* እስራኤልሲ፡ ‘እቲ ዚርእዮ ራእይ ካብ ሕጂ ንነዊሕ ግዜ እዩ፣ ንርሑቕ ግዜ ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ’ ይብሉ ኣለዉ።+ 28 ስለዚ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ካብ ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ፣ ኣነ ዝብሎ ዘበለ ኺግበር እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ