ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 38
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኤርምያስ ናብ መዕቘር ማይ ተደርበየ (1-6)

      • ዔቤድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ኣድሓኖ (7-13)

      • ኤርምያስ ንጼዴቅያስ፡ ኢዱ ኺህብ ተማሕጸኖ (14-28)

ኤርምያስ 38:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:3
  • +ኤር 21:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 55

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2006፡ ገጽ 14-15

ኤርምያስ 38:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሕማምን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ ከለዳውያን ዚወጽእ።”

  • *

    ወይ፡ “ህይወቱ (ነፍሱ) ድማ ኬድሕንን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:13፣ 29:18፣ ህዝ 7:15
  • +ኤር 21:8-10

ኤርምያስ 38:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:1, 2፣ 2ዜና 36:17

ኤርምያስ 38:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንኣእዳው።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 26:11

ኤርምያስ 38:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 33:1፣ 37:21፣ 38:28

ኤርምያስ 38:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:16
  • +ኤር 37:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2012፡ ገጽ 31

ኤርምያስ 38:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ኤርምያስ 38:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 52:6

ኤርምያስ 38:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2012፡ ገጽ 31

ኤርምያስ 38:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:21

ኤርምያስ 38:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነዛ ነፍሲ እዚኣ ዝገበረልና።”

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ።”

ኤርምያስ 38:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ወጺእካ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:9፣ 27:12

ኤርምያስ 38:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይወጺእካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:8, 9
  • +2ነገ 25:6፣ ኤር 39:5

ኤርምያስ 38:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ እውን ብህይወት ክትነብር እያ።”

ኤርምያስ 38:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምውጻእ።”

ኤርምያስ 38:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እቶም ሰብ ሰላምካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:3
  • +ድጕ 1:2

ኤርምያስ 38:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:7
  • +ኤር 52:8, 13

ኤርምያስ 38:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 38:4

ኤርምያስ 38:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:15

ኤርምያስ 38:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:20፣ 32:2፣ 33:1፣ 37:21፣ 39:13, 14
  • +2ነገ 25:8, 9፣ 2ዜና 36:17

ሓፈሻዊ

ኤር. 38:1ኤር 37:3
ኤር. 38:1ኤር 21:1, 2
ኤር. 38:2ኤር 27:13፣ 29:18፣ ህዝ 7:15
ኤር. 38:2ኤር 21:8-10
ኤር. 38:32ነገ 25:1, 2፣ 2ዜና 36:17
ኤር. 38:4ኤር 26:11
ኤር. 38:6ኤር 33:1፣ 37:21፣ 38:28
ኤር. 38:7ኤር 39:16
ኤር. 38:7ኤር 37:13
ኤር. 38:9ኤር 52:6
ኤር. 38:112ነገ 20:13
ኤር. 38:13ኤር 37:21
ኤር. 38:17ኤር 21:9፣ 27:12
ኤር. 38:182ነገ 25:8, 9
ኤር. 38:182ነገ 25:6፣ ኤር 39:5
ኤር. 38:22ኤር 39:3
ኤር. 38:22ድጕ 1:2
ኤር. 38:232ነገ 25:7
ኤር. 38:23ኤር 52:8, 13
ኤር. 38:25ኤር 38:4
ኤር. 38:26ኤር 37:15
ኤር. 38:28ኤር 15:20፣ 32:2፣ 33:1፣ 37:21፣ 39:13, 14
ኤር. 38:282ነገ 25:8, 9፣ 2ዜና 36:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 38:1-28

ኤርምያስ

38 ሸፋጥያ ወዲ ማታንን ገዳልያ ወዲ ጳሽሑርን ዩካል+ ወዲ ሸለምያን ጳሽሑር+ ወዲ ማልክያን ድማ፡ ነቲ ኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓላት ሰምዑ፦ 2 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚጸንሕ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ኪመውት እዩ።+ እቲ ንከለዳውያን ኢዱ ዚህብ* ግና፡ ብህይወት ኪቕጽልን ህይወቱ እውን ምርኮኡ ኽትኰነሉን* ብህይወት ኪነብርን እዩ።’+ 3 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ እያ፣ ንሱ እውን ኪሕዛ እዩ።’”+

4 እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ንንጉስ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኸምዚ ቓላት እዚ ኢሉ ብምዝራብ ንወኒ* እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን ኵሎም እዞም ህዝብን የዳኽም ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ግዳ ኣቕትሎ።+ እዚ ሰብኣይ እዝስ፡ ሰላም እዚ ህዝቢ እዚ ዘይኰነስ፡ መዓቱ እዩ ዚደሊ” በልዎ። 5 ንጉስ ጼዴቅያስ ድማ፡ “ንጉስ ንምዕጋትኩም ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ኢድኩም እዩ” ኢሉ መለሰሎም።

6 ስለዚ፡ ንኤርምያስ ወሲዶም፡ ናብቲ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ዘሎ መዕቘር ማይ ማልክያ ወዲ ንጉስ ደርበይዎ።+ ብኣግማድ ገይሮም ከኣ ኣውረድዎ። ኣብቲ መዕቘር ማይ ድማ ጭቃ ጥራይ እምበር፡ ማይ ኣይነበረን፣ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ጭቃ ተዋሕጠ።

7 እቲ ኣብ ቤት* ንጉስ ስሉብ* ዝነበረ ዔቤድ-ሜሌክ+ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ንኤርምያስ ናብቲ መዕቘር ማይ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ። ንጉስ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ።+ 8 ዔቤድ-ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት* ንጉስ ወጺኡ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 9 “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ እዞም ሰባት ንነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎስ እከይ እዩ! ኣብ መዕቘር ማይ ደርብዮምዎ ኣለዉ፣ ኣብዛ ኸተማ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ኣብኡ ብጥሜት ኪመውት እዩ።”+

10 ንጉስ ከኣ ንዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ “ካብዚ 30 ሰብኡት ምሳኻ ውሰድ እሞ፡ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብቲ መዕቘር ማይ ኣውጽኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ። 11 ዔቤድ-ሜሌክ ድማ ነቶም ሰብኡት ምስኡ ወሲዱ ናብ ቤት* ንጉስ፡ ናብታ ትሕቲ እቲ ቤት መዝገብ ዘላ ቦታ ኸደ፣+ ካብኣ ኸኣ ዝበለየ ኣጭርቕትን ዝበለየ ዓለባታትን ወሲዶም ብኣግማድ ናብ ኤርምያስ ናብቲ መዕቘር ማይ ኣውረድዎ። 12 ሽዑ፡ ዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ ንኤርምያስ፡ “እዚ ኣጭርቕትን ዓለባታትን ኣብ መንጎ ትሽትሽካን እቲ ኣግማድን ግበሮ” በሎ። ኤርምያስ ድማ ከምኡ ገበረ፣ 13 ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ ብኣግማድ ስሒቦም ካብቲ መዕቘር ማይ ኣውጽእዎ። ኤርምያስ ድማ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ጸንሐ።+

14 ንጉስ ጼዴቅያስ ከኣ ንነብዪ ኤርምያስ ናብታ ኣብ ቤት የሆዋ ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኺመጾ ለኣኸሉ፣ ንጉስ ድማ ንኤርምያስ፡ “ዝሓትተካ ነገር ኣሎኒ። ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣለይ” በሎ። 15 ኤርምያስ ከኣ ንጼዴቅያስ፡ “እንተ ነጊረካ፡ ብርግጽ ክትቀትለኒ ኢኻ። እንተ መኺረካ ድማ፡ ኣይትሰምዓንን ኢኻ” በሎ። 16 ሽዑ፡ ንጉስ ጼዴቅያስ፡ “ከምቲ ነዛ ህይወት እዚኣ ዝሃበና* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣይቀትለካን እየ፣ ናብዞም ንህይወትካ* ዚደልይዋ ዘለዉ ሰባት እውን ኣሕሊፈ ኣይህበካን እየ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ።

17 ኤርምያስ ከኣ ንጼዴቅያስ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንመሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኢድካ እንተ ሂብካ፡* ህይወትካ ኽትንሓፍ እያ፣* እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይክትነድድን እያ፣ ንስኻን ቤተ ሰብካን ከኣ ክትንሓፉ ኢኹም።+ 18 ንመሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኢድካ እንተ ዘይሂብካ* ግና፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ንከለዳውያን ኣሕሊፍካ ኽትውሃብ እያ፣ ንሳቶም ድማ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም፣+ ንስኻ እውን ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ።’”+

19 ሽዑ፡ ንጉስ ጼዴቅያስ ንኤርምያስ፡ “እቶም ናብ ከለዳውያን ዝኸድዑ ኣይሁድ ኣፍሪሆምኒ ኣለዉ፣ ናባታቶም ኣሕሊፎም እንተ ሂቦምንስ፡ ኪጭክኑለይ እዮም” በሎ። 20 ኤርምያስ ግና ከምዚ በሎ፦ “ንዓታቶም ኣሕሊፎም ኣይኪህቡኻን እዮም። በጃኻ ኣብዛ ዝነግረካ ዘለኹ፡ ንድምጺ የሆዋ ተኣዘዝ፣ ጽቡቕ ከኣ ኪዀነልካ፡ ብህይወት እውን ክትነብር ኢኻ።* 21 ኢድካ ምሃብ* እንተ ኣቢኻ ግና፡ የሆዋስ እዚ ገሊጹለይ ኣሎ፦ 22 እንሆ፡ ኵለን እተን ኣብ ቤት* ንጉስ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን የውጽእወን ኣለዉ፣+ ንሳተን ከኣ፡

‘እቶም እተኣመንካዮም ሰባት* ኣታሊሎምኻን ኣሰኒፎምኻን።+

ንኣእጋርካ ኣብ ታኼላ ኣጥሒሎምወን።

ሕጂ ኸኣ ተመሊሶም ኣድሓርሒሮም’ ይብላ ኣለዋ።

23 ኵለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ከለዳውያን ኬውጽእዎም እዮም፣ ንስኻ ድማ ብንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፣+ ብሰርኻ እውን እዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ ኽትነድድ እያ።”+

24 ሽዑ፡ ጼዴቅያስ ንኤርምያስ ከምዚ በሎ፦ “ከይትመውትሲ፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ንሓደ እኳ ኣይተፍልጥ። 25 እቶም መሳፍንቲ ምሳኻ ኸም እተዛረብኩ እንተ ሰሚዖም እሞ ናባኻ መጺኦም፡ ‘ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ በጃኻ ንገረና። ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣልና እሞ ኣይክንቀትለካን ኢና።+ ንጉስ እንታይ ኢሉካ፧’ እንተ ኢሎምኻ፡ 26 ‘ኣብኣ ኸይመውትሲ ናብ ቤት ዮናታን መሊሱ ኸይሰድደኒ እየ ንንጉስ ዝልምን ነይረ’ ኢልካ መልሰሎም።”+

27 ኵሎም እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ናብ ኤርምያስ መጺኦም ሓተትዎ። ንሱ ድማ ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ኪብል ዝኣዘዞ ገይሩ ነገሮም። ነቲ ዝርርብ ዝሰምዐ ሓደ እኳ ኣይነበረን እሞ፡ ድሕሪኡ ሓንቲ እኳ ኣይበልዎን። 28 ክሳዕ እታ የሩሳሌም እተታሕዘትላ መዓልቲ፡ ኤርምያስ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ጸንሐ፣+ የሩሳሌም ክትተሓዝ ከላ እውን ኣብኡ ነበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ