ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ናብ ክፉኣት ነገስታት እተላእከ መልእኽቲ ፍርዲ (1-30)

        • ናብ ሻሉም (10-12)

        • ናብ ዮያቂም (13-23)

        • ናብ ኮንያ (24-30)

ኤርምያስ 22:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ኤርምያስ 22:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:15፣ ኢሳ 1:17፣ ህዝ 22:7፣ ሚክ 2:2
  • +2ነገ 24:3, 4፣ ኤር 7:6, 7

ኤርምያስ 22:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:12
  • +ኤር 17:24, 25

ኤርምያስ 22:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:8፣ ሚክ 3:12

ኤርምያስ 22:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:11፣ ኤር 7:34

ኤርምያስ 22:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ክቕድሰልካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 9:1
  • +ኤር 21:14

ኤርምያስ 22:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 29:24-26፣ 1ነገ 9:8, 9፣ ድጕ 2:15

ኤርምያስ 22:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:16, 17

ኤርምያስ 22:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ዮኣሓዝ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:29, 30
  • +1ዜና 3:15፣ 2ዜና 36:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 158

ኤርምያስ 22:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:34፣ 2ዜና 36:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 158

ኤርምያስ 22:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:13፣ ሚክ 3:9, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 140

ኤርምያስ 22:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 140

ኤርምያስ 22:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:1, 2፣ 23:23, 25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 140

ኤርምያስ 22:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 140

ኤርምያስ 22:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:34፣ 2ዜና 36:4

ኤርምያስ 22:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:30
  • +2ዜና 36:5, 6

ኤርምያስ 22:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:7
  • +ዘዳ 32:49

ኤርምያስ 22:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:31፣ 6:16
  • +ዘዳ 9:7፣ መሳ 2:11

ኤርምያስ 22:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:1፣ ህዝ 34:2

ኤርምያስ 22:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 22:6
  • +ኢሳ 2:12, 13
  • +ኤር 4:31፣ 6:24

ኤርምያስ 22:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ዮያኪንን የኮንያን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:6፣ ኤር 22:28፣ 37:1፣ ማቴ 1:11
  • +2ነገ 23:34

ኤርምያስ 22:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12, 15፣ 2ዜና 36:9, 10፣ ኤር 24:1፣ 29:1, 2

ኤርምያስ 22:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናብታ ነፍሶም ዜልዕሉላ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 52:31-34

ኤርምያስ 22:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:17, 18

ኤርምያስ 22:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:9, 10፣ ኤር 36:30፣ ማቴ 1:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 10-11

ሓፈሻዊ

ኤር. 22:3ዘሌ 19:15፣ ኢሳ 1:17፣ ህዝ 22:7፣ ሚክ 2:2
ኤር. 22:32ነገ 24:3, 4፣ ኤር 7:6, 7
ኤር. 22:41ነገ 2:12
ኤር. 22:4ኤር 17:24, 25
ኤር. 22:5ኤር 39:8፣ ሚክ 3:12
ኤር. 22:6ኢሳ 6:11፣ ኤር 7:34
ኤር. 22:7ህዝ 9:1
ኤር. 22:7ኤር 21:14
ኤር. 22:8ዘዳ 29:24-26፣ 1ነገ 9:8, 9፣ ድጕ 2:15
ኤር. 22:92ነገ 22:16, 17
ኤር. 22:112ነገ 23:29, 30
ኤር. 22:111ዜና 3:15፣ 2ዜና 36:1
ኤር. 22:122ነገ 23:34፣ 2ዜና 36:4
ኤር. 22:13ዘሌ 19:13፣ ሚክ 3:9, 10
ኤር. 22:152ነገ 22:1, 2፣ 23:23, 25
ኤር. 22:182ነገ 23:34፣ 2ዜና 36:4
ኤር. 22:19ኤር 36:30
ኤር. 22:192ዜና 36:5, 6
ኤር. 22:202ነገ 24:7
ኤር. 22:20ዘዳ 32:49
ኤር. 22:21ኤር 2:31፣ 6:16
ኤር. 22:21ዘዳ 9:7፣ መሳ 2:11
ኤር. 22:22ኤር 23:1፣ ህዝ 34:2
ኤር. 22:23ኤር 22:6
ኤር. 22:23ኢሳ 2:12, 13
ኤር. 22:23ኤር 4:31፣ 6:24
ኤር. 22:242ነገ 24:6፣ ኤር 22:28፣ 37:1፣ ማቴ 1:11
ኤር. 22:242ነገ 23:34
ኤር. 22:252ነገ 24:12, 15፣ 2ዜና 36:9, 10፣ ኤር 24:1፣ 29:1, 2
ኤር. 22:27ኤር 52:31-34
ኤር. 22:281ዜና 3:17, 18
ኤር. 22:302ዜና 36:9, 10፣ ኤር 36:30፣ ማቴ 1:12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 22:1-30

ኤርምያስ

22 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ናብ ቤት* ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብጽሕ። 2 ከምዚ ኸኣ በል፦ ‘ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፡ ንስኻ ምስቶም በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን ዚኣትዉ ገላዉኻን ህዝብኻን፡ ቃል የሆዋ ስማዕ። 3 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ፍትሕን ጽድቅን ግበር። ንዚዝመት ዘሎ ኻብ ኢድ ዓማጺ ኣናግፍ። ንጓና ኣይትግፋዕ፣ ንዘኽታም* ወይ ንመበለት ከኣ ኣይትጕዳእ።+ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እውን ንጹህ ደም ኣይተፍስስ።+ 4 ነዚ ቓል እዚ ተጠንቂቕካ እንተ ፈጺምካዮ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት+ ዚቕመጡ ነገስታት፡ ንሳቶምን ገላዉኦምን ህዝቦምን ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተወጢሖም ብኣፍ ደገታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም።”’+

5 “‘ነዘን ቃላት እዚአን እንተ ዘይተኣዚዝካየን ግና፡ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፡’ ይብል የሆዋ፡ ‘እዛ ቤት እዚኣ ዑና ኽትከውን እያ።’+

6 “የሆዋ ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል፦

‘ንስኻ ንዓይ ከም ጊልዓድ፡

ከም ርእሲ ሊባኖስ ኢኻ።

ኣነ ግና በረኻ ኽገብረካ እየ፣

ዋላ ሓንቲ ኻብ ከተማታትካ እኳ ነበርቲ ኣይኪህልዋን እዩ።+

 7 መጥፋእቲ ኽሸመልካ* እየ፣

ነፍሲ ወከፍ ከኣ መምስ ኣጽዋሩ ኺመጽእ እዩ።+

ንሕሩይ ቄድሮሳትካ ኪቘርጽዎ፡

ናብ ሓዊ እውን ኬውድቕዎ እዮም።+

8 “‘ብዙሓት ኣህዛብ ከኣ በዛ ኸተማ እዚኣ ኺሓልፉ፡ ንሓድሕዶም ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ የሆዋ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ፧” ኪባሃሃሉ እዮም።+ 9 “ኪዳን የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ” ኢሎም ከኣ ኪምልሱ እዮም።’+

10 ንምዉት ኣይትብከዩሉ፡

ኣይትሕዘኑሉ እውን።

ንዚኸይድ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ፣

ንሱስ ነታ እተወልደላ ምድሪ ኺርኢ ኣይኪምለስን እዩ።

11 “የሆዋስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ+ ዝነገሰን ካብዛ ቦታ እዚኣ ዝወጸን ሻሉም*+ ወዲ ዮስያስ ከምዚ ይብል፦ ‘ናብኣ ኣይኪምለስን እዩ። 12 ኣብታ ናብ ምርኮ ዝወሰድዎ ቦታ ደኣ ኺመውት እዩ፣ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ደጊም ኣይኪርእያን እዩ።’+

13 እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ፡

ንደርቡ ድማ ብዘይ ፍትሒ ዚሃንጽ፡

ንብጻዩ ብኸንቱ ኸም ዚግዝኦ ዚገብር፡

ዓስቡ ኸኣ ምኽፋሉ ዚኣቢ፡ ወይለኡ፣+

14 ንሱስ፡ ‘ገፋሕቲ ደርብታት ዘለዋ

ርሕብቲ ቤት ክሃንጽ እየ።

መሳዅቲ ኽገብረላ፡

ብቄድሮስ ክረብባ፡ ብቐይሕ ቀለም ከኣ ክለኽያ እየ’ ይብል።

15 ንቄድሮስ ካብ ካልኦት ብዝሓሸ ስለ እተጠቐምካሉስ፡ ብንግስናኻዶ ኽትቅጽል ኢኻ፧

ኣቦኻ እውን ይበልዕን ይሰትን ነይሩ፣

ግናኸ፡ ፍትሕን ጽድቅን ይገብር ነይሩ፣+

ጽቡቕ ድማ ኰይኑሉ።

16 ንጕዳይ ውጹዕን ድኻን ተጣቢቑ፣

ስለዚ፡ ጽቡቕ ኰይኑ።

‘እዝስ ንዓይ ምፍላጥ ማለት ደይኰነን፧’ ይብል የሆዋ።

17 ‘ኣዒንትኻን ልብኻን ግና ኣብቲ ዘይግቡእ ረብሓኻ፡

ኣብ ምፍሳስ ደም ንጹህ፡

ኣብ ምዕማጽን ኣብ ምዝማትን ዘተኰረ እዩ።’

18 “ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ይብል፦

‘“ዋይ፡ ሓወይ! ዋይ፡ ሓብተይ!” ኢሎም

ኣይኬልቅሱሉን እዮም።

“ኣየ፡ ጐይታ! ኣየ፡ ግርማ!” ኢሎም

ኣይኬልቅሱሉን እዮም።

19 ከም ኣቃብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ፡+

ጐቲቶም ወሲዶም፡

ብኽንየው ኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም።’+

20 ኵሎም እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኽስ ተጨፍሊቖም እዮም እሞ፡+

ናብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፣

ኣብ ባሳን ድምጽኺ ዓው ኣብሊ፣

ካብ ዓባሪም እውን ኣእውዪ።+

21 ድሕንነት ኪስምዓኪ ኸሎ፡ ተዛረብኩኺ።

ንስኺ ግና፡ ‘ኣይእዘዝን እየ’ በልኪ።+

ንድምጸይ ኣይተኣዘዝክን እሞ፡+

እዝስ ካብ ንእስነትኪ ኣትሒዙ ዝነበረ መገድኺ እዩ።

22 ንዅሎም ጓሶትኪ ንፋስ ኪጓስዮም እዩ፣+

እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኺ ድማ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።

ሽዑ፡ ብሰሪ እቲ ዅሉ መዓትኪ፡ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ።

23 ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትቕመጢ፡+

ኣቲ ኣብ መንጎ ቄድሮሳት እትሰፍሪ፡+

ቅልውላው ምስ መጸኪ፡

ከም እትወልድ ሰበይቲ ቕልውላው ምስ ሓዘኪ፡ ከመይ ኰን ክትግዕሪ ኢኺ!+

24 “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ቀለቤት ማሕተም ነይሩ እኳ እንተ ዚኸውን፡ ካብኡ መውጻእኩኻ! 25 ኣብ ኢድ እቶም ንህይወትካ* ዚደልይዋን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።+ 26 ንዓኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምላ ኻልእ ምድሪ ኽድርብየኩም እየ፣ ኣብኡ እውን ክትሞቱ ኢኹም። 27 ናብታ ዚናፍቕዋ* ምድሪ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪምለሱን እዮም።+

28 እዚ ኮንያ ዚብሃል ሰብኣይ እዚ ንዑቕን ስቡርን

ሓደ እኳ ዘይደልዮን ኣቕሓ ድዩ፧

ስለምንታይ እዮም ንሱን ዘርኡን እተደርበዩ፡

ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ እውን እተሰንደዉ፧’+

29 ኣቲ ምድሪ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ቃል የሆዋ ስምዒ።

30 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

‘ሓደ ኻብ ዘርኡ እኳ ሰሊጥዎስ፡

ኣብ ዝፋን ዳዊት ኣይኪቕመጥን፡ ኣብ ይሁዳ እውን ደጊም ኣይኪገዝእን እዩ እሞ፡

እዚ ሰብኣይ እዚ ውሉድ ከም ዘይብሉ፡

ብዘመኑ* ኸም ዘይሰለጦ ሰብ ጌርኩም ጽሓፍዎ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ