ኤርምያስ
ስለምንታይ እዩ ግና መገዲ እኩያት ዚሰልጥ፧+
ስለምንታይከ እዮም ጠለምቲ ዘይጭነቑ፧
2 ንስኻ ተኺልካዮም፡ ሱር ድማ ሰዲዶም።
ዓብዮም፡ ፍረ እውን ፈርዮም።
ንስኻ ኣብ ከናፍሮም ኢኻ፣ ካብ ውሽጣዊ ሓሳባቶም* ግና ርሑቕ ኢኻ።+
ከም በጊዕ ማሕረዲ ነጽሎም፣
ንመዓልቲ ቕትለት ከኣ ፍለዮም።
4 እታ ምድርስ ክሳዕ መዓስ ክትጽምሉ እያ፧
እቲ ኣትክልቲ ዅሉ መሮርከ ኽሳዕ መዓስ ኪነቅጽ እዩ፧+
ብሰሪ እከይ እቶም ዚቕመጥዋ፡
እንስሳታትን ኣዕዋፍን ተዀስቲሮም።
ንሳቶምሲ፡ “እንታይ ከም እንኸውን ኣይርእን እዩ” ኢሎም ኣለዉ።
ኣብ ምድሪ ሰላም እኳ ኻብ ተኣማመንካ፡
ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻ ደኣ ኸመይ ክትከውን ኢኻ፧
6 ከመይሲ፡ ኣሕዋትካ፡ ቤተ ሰብ ኣቦኻ እኳ
ጠሊሞምኻ ኣለዉ።+
ኣንጻርካ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ኣለዉ።
ጽቡቕ እኳ እንተ ተዛረቡኻ፡
ኣይትእመኖም።
ነታ ኣዝየ ዘፍቅራ* እውን ኣብ ኢድ ጸላእታ ሂበያ ኣለኹ።+
8 ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀይናትኒ ኣላ።
ንሳስ ጓዚማትለይ።
ስለዚ፡ ጸሊአያ።
ኣቱም ኣራዊት መሮር ንዑ ተኣከቡ፣
ክትበልዑ ንዑ።+
11 ባድም ኰይና ኣላ።
ብዘላ እታ ምድሪ ባዲማ ኣላ፣
ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ሰብ ግና የልቦን።+
ንሓደ እኳ* ሰላም የልቦን።
13 ስርናይ ዘሪኦም፣ ግናኸ፡ እሾዅ ዓጺዶም።+
ደኺሞም፣ ግናኸ፡ ጥቕሚ ኣይረኸቡን።
ብሰሪ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ፡
ብፍርያቶም ኪሓፍሩ እዮም።”
14 የሆዋ ኣንጻር ኵሎም እቶም ነታ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስተኽዎ ርስቲ ዚትንክዩ እኩያት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል፦+ “እንሆ፡ ካብ ምድሮም ክምሕዎም እየ፣+ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ መንጎኦም ክምሕዋ እየ። 15 ምስ መሓኽዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክምሕሮም፡ ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ነናብ ርስቱን ነናብ ምድሩን ክመልሶም እየ።”
16 “መገድታት ህዝበይ እንተ ተማሂሮም፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሃርዎም ድማ፡ ‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢሎም ብስመይ ምምሓል እንተ ተማሂሮም፡ ኣብ መንጎ ህዝበይ ኪህነጹ እዮም። 17 ምእዛዝ እንተ ኣብዮም ግና፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምሕዎ፡ እወ፡ ክምሕዎን ከጥፍኦን እየ” ይብል የሆዋ።+