ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ጥርዓን ኤርምያስ (1-4)

      • ምላሽ የሆዋ (5-17)

ኤርምያስ 12:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:25
  • +እዮ 12:6፣ 21:7፣ መዝ 73:3፣ ኤር 5:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 118-119

ኤርምያስ 12:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውሽጣዊ ስምዒቶም።” ቃ.ቃ.፡ “ኰላሊቶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:13

ኤርምያስ 12:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 139:1, 2
  • +2ነገ 20:3፣ መዝ 17:3፣ ኤር 11:20

ኤርምያስ 12:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:6፣ 23:10

ኤርምያስ 12:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2012፡ ገጽ 29

    15/3/2011፡ ገጽ 32

ኤርምያስ 12:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:4

ኤርምያስ 12:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነታ ነፍሰይ እተፍቅራ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 13:35
  • +ዘጸ 19:5፣ ኢሳ 47:6
  • +ድጕ 2:1

ኤርምያስ 12:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትኳዕ ትኳዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:2፣ ህዝ 16:37
  • +ኢሳ 56:9፣ ኤር 7:33

ኤርምያስ 12:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 80:8፣ ኢሳ 5:1, 7፣ ኤር 6:3
  • +ኢሳ 63:18፣ ኤር 3:19

ኤርምያስ 12:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓዚና” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:11፣ 10:22
  • +ኢሳ 42:24, 25

ኤርምያስ 12:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ በረኻ ዘሎ ዅሉ መገዲ ጻጸ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንዅሉ ስጋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:33፣ ኤር 15:2

ኤርምያስ 12:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:16፣ ሚክ 6:15

ኤርምያስ 12:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 79:4፣ ኤር 48:26፣ ህዝ 25:3፣ ዘካ 1:15፣ 2:8
  • +ኤር 48:2፣ 49:2

ኤርምያስ 12:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 60:12

ሓፈሻዊ

ኤር. 12:1ዘፍ 18:25
ኤር. 12:1እዮ 12:6፣ 21:7፣ መዝ 73:3፣ ኤር 5:28
ኤር. 12:2ኢሳ 29:13
ኤር. 12:3መዝ 139:1, 2
ኤር. 12:32ነገ 20:3፣ መዝ 17:3፣ ኤር 11:20
ኤር. 12:4ኤር 14:6፣ 23:10
ኤር. 12:5ኤር 4:13
ኤር. 12:6ኤር 9:4
ኤር. 12:7ሉቃ 13:35
ኤር. 12:7ዘጸ 19:5፣ ኢሳ 47:6
ኤር. 12:7ድጕ 2:1
ኤር. 12:92ነገ 24:2፣ ህዝ 16:37
ኤር. 12:9ኢሳ 56:9፣ ኤር 7:33
ኤር. 12:10መዝ 80:8፣ ኢሳ 5:1, 7፣ ኤር 6:3
ኤር. 12:10ኢሳ 63:18፣ ኤር 3:19
ኤር. 12:11ኤር 9:11፣ 10:22
ኤር. 12:11ኢሳ 42:24, 25
ኤር. 12:12ዘሌ 26:33፣ ኤር 15:2
ኤር. 12:13ዘሌ 26:16፣ ሚክ 6:15
ኤር. 12:14መዝ 79:4፣ ኤር 48:26፣ ህዝ 25:3፣ ዘካ 1:15፣ 2:8
ኤር. 12:14ኤር 48:2፣ 49:2
ኤር. 12:17ኢሳ 60:12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 12:1-17

ኤርምያስ

12 ኦ የሆዋ፡+ ናባኻ ምስ ጠራዕኩ፡

ብዛዕባ ነገር ፍትሒ ምስ ተዛረብኩኻ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ።

ስለምንታይ እዩ ግና መገዲ እኩያት ዚሰልጥ፧+

ስለምንታይከ እዮም ጠለምቲ ዘይጭነቑ፧

 2 ንስኻ ተኺልካዮም፡ ሱር ድማ ሰዲዶም።

ዓብዮም፡ ፍረ እውን ፈርዮም።

ንስኻ ኣብ ከናፍሮም ኢኻ፣ ካብ ውሽጣዊ ሓሳባቶም* ግና ርሑቕ ኢኻ።+

 3 ኦ የሆዋ፡+ ንስኻ ግና ኣጸቢቕካ ትፈልጠንን ትርእየንን ኢኻ፣

ንልበይ መርሚርካዮ፡ ምሳኻ ሓድነት ዘለዎ ዀይኑ ድማ ረኺብካዮ።+

ከም በጊዕ ማሕረዲ ነጽሎም፣

ንመዓልቲ ቕትለት ከኣ ፍለዮም።

 4 እታ ምድርስ ክሳዕ መዓስ ክትጽምሉ እያ፧

እቲ ኣትክልቲ ዅሉ መሮርከ ኽሳዕ መዓስ ኪነቅጽ እዩ፧+

ብሰሪ እከይ እቶም ዚቕመጥዋ፡

እንስሳታትን ኣዕዋፍን ተዀስቲሮም።

ንሳቶምሲ፡ “እንታይ ከም እንኸውን ኣይርእን እዩ” ኢሎም ኣለዉ።

 5 ምስ ኣጋር ጐዪኻ ኻብ ደኸምካስ፡

ምስ ኣፍራስ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኽትቀዳደም ኢኻ፧+

ኣብ ምድሪ ሰላም እኳ ኻብ ተኣማመንካ፡

ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻ ደኣ ኸመይ ክትከውን ኢኻ፧

 6 ከመይሲ፡ ኣሕዋትካ፡ ቤተ ሰብ ኣቦኻ እኳ

ጠሊሞምኻ ኣለዉ።+

ኣንጻርካ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ኣለዉ።

ጽቡቕ እኳ እንተ ተዛረቡኻ፡

ኣይትእመኖም።

 7 “ቤተይ ሓዲገ፡+ ርስተይ ጠንጢነ ኣለኹ።+

ነታ ኣዝየ ዘፍቅራ* እውን ኣብ ኢድ ጸላእታ ሂበያ ኣለኹ።+

 8 ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀይናትኒ ኣላ።

ንሳስ ጓዚማትለይ።

ስለዚ፡ ጸሊአያ።

 9 ርስተይ ብዙሕ ዝሕብሩ* ኣሞራ እያ፣

ካልኦት ኣሞራታት ከቢቦም የጥቅዕዋ።+

ኣቱም ኣራዊት መሮር ንዑ ተኣከቡ፣

ክትበልዑ ንዑ።+

10 ብዙሓት ጓሶት ንኣታኽልቲ ወይነይ ኣበላሽዮምዋ፣+

ነታ ግደይ ዝዀነት ምድሪ ረጊጾምዋ፣+

ነታ ተባሃጊት ግደይ ዝዀነት ምድሪ ናብ ዝባደመት በረኻ ቐዪሮምዋ።

11 ባድም ኰይና ኣላ።

ጸምልያ* ኣላ፣

ኣብ ቅድመይ ባዲማ ኣላ።+

ብዘላ እታ ምድሪ ባዲማ ኣላ፣

ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ሰብ ግና የልቦን።+

12 ሰይፊ የሆዋ ኻብ ሓደ ወሰን እታ ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ይውሕጥ ኣሎ እሞ፡

ኣብ ኵሉ መገድታት በረኻ፡* መጥፋእቲ መጺኦም ኣለዉ።+

ንሓደ እኳ* ሰላም የልቦን።

13 ስርናይ ዘሪኦም፣ ግናኸ፡ እሾዅ ዓጺዶም።+

ደኺሞም፣ ግናኸ፡ ጥቕሚ ኣይረኸቡን።

ብሰሪ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ፡

ብፍርያቶም ኪሓፍሩ እዮም።”

14 የሆዋ ኣንጻር ኵሎም እቶም ነታ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስተኽዎ ርስቲ ዚትንክዩ እኩያት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል፦+ “እንሆ፡ ካብ ምድሮም ክምሕዎም እየ፣+ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ መንጎኦም ክምሕዋ እየ። 15 ምስ መሓኽዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክምሕሮም፡ ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ነናብ ርስቱን ነናብ ምድሩን ክመልሶም እየ።”

16 “መገድታት ህዝበይ እንተ ተማሂሮም፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሃርዎም ድማ፡ ‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢሎም ብስመይ ምምሓል እንተ ተማሂሮም፡ ኣብ መንጎ ህዝበይ ኪህነጹ እዮም። 17 ምእዛዝ እንተ ኣብዮም ግና፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምሕዎ፡ እወ፡ ክምሕዎን ከጥፍኦን እየ” ይብል የሆዋ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ