ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 56
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ጓኖትን ስሉባትን ዚረኽብዎ በረኸት (1-8)

        • ንዅሎም እትኸውን ቤት ጸሎት (7)

      • ዕዉራት ሓለውቲ፡ ዓባሳት ኣኽላባት (9-12)

ኢሳይያስ 56:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 46:13፣ 51:5
  • +ሚክ 6:8

ኢሳይያስ 56:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 58:13, 14

ኢሳይያስ 56:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 60:10፣ ዘካ 8:23

ኢሳይያስ 56:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2009፡ ገጽ 26

ኢሳይያስ 56:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2009፡ ገጽ 26

ኢሳይያስ 56:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 1:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 27

    15/1/2007፡ ገጽ 10

    15/11/2000፡ ገጽ 13

    1/2/1998፡ ገጽ 22-23

    1/7/1996፡ ገጽ 20-21

ኢሳይያስ 56:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:3፣ ሚክ 4:2፣ ዘካ 8:3
  • +1ነገ 8:29, 43፣ ማቴ 21:13፣ ማር 11:17፣ ሉቃ 19:46

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “ሰዓብየይ፡” ገጽ 101-102

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2006፡ ገጽ 27

    1/2/1998፡ ገጽ 22-23

    1/7/1996፡ ገጽ 20-21

ኢሳይያስ 56:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:3፣ ኢሳ 27:12፣ ሆሴ 1:11
  • +ኢሳ 49:22፣ 60:4

ኢሳይያስ 56:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 12:9

ኢሳይያስ 56:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:10፣ 29:10
  • +ኤር 6:13, 14፣ ህዝ 13:16
  • +ህዝ 33:6

ኢሳይያስ 56:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓያል ነፍሲ ዘላቶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 3:6

ኢሳይያስ 56:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:22፣ 28:7፣ ሆሴ 4:11

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 56:1ኢሳ 46:13፣ 51:5
ኢሳ. 56:1ሚክ 6:8
ኢሳ. 56:2ኢሳ 58:13, 14
ኢሳ. 56:3ኢሳ 60:10፣ ዘካ 8:23
ኢሳ. 56:6ሚል 1:11
ኢሳ. 56:7ኢሳ 2:3፣ ሚክ 4:2፣ ዘካ 8:3
ኢሳ. 56:71ነገ 8:29, 43፣ ማቴ 21:13፣ ማር 11:17፣ ሉቃ 19:46
ኢሳ. 56:8ዘዳ 30:3፣ ኢሳ 27:12፣ ሆሴ 1:11
ኢሳ. 56:8ኢሳ 49:22፣ 60:4
ኢሳ. 56:9ኤር 12:9
ኢሳ. 56:10ኢሳ 6:10፣ 29:10
ኢሳ. 56:10ኤር 6:13, 14፣ ህዝ 13:16
ኢሳ. 56:10ህዝ 33:6
ኢሳ. 56:11ሚክ 3:6
ኢሳ. 56:12ኢሳ 5:22፣ 28:7፣ ሆሴ 4:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 56:1-12

ኢሳይያስ

56 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ድሕነተይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺመጽእ፡

ጽድቀይ እውን ኪግለጽ እዩ እሞ፡+

ፍትሒ ሓልዉ፡+ ጽድቂ እውን ግበሩ።

 2 እዚ ዚገብር ሰብ፡

ኣጽኒዑ እውን ዚሕዞ ወዲ ሰብ፡

ንሰንበት ዚሕልዋን ዘየርክሳን፡+

ኢዱ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ክፉእ ዚሕሉ፡ ሕጉስ እዩ።

 3 ምስ የሆዋ ዚሓብር ጓና፡+

‘የሆዋ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ’ ኣይበል።

ስሉብ ከኣ፡ ‘እንሆ፡ ኣነ ንቑጽ ኦም እየ’ ኣይበል።”

4 የሆዋስ ነቶም ንሰናብተይ ዚሕልውዎን ንዓይ ደስ ዚብለኒ ዚሓርዩን ንኺዳነይ ኣጽኒዖም ዚሕዙን ስሉባት ከምዚ ይብል፦

 5 “ንዓታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ መናድቐይን

ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ሓወልትን ስምን ክህቦም እየ።

ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ስም

ክህቦም እየ።

 6 እቶም ኬገልግልዎ፡

ንስም የሆዋ ኼፍቅሩ፡+

ገላዉኡ ድማ ኪዀኑ ኢሎም ምስ የሆዋ ዚሓብሩ ጓኖት፡

ኵሎም እቶም ንሰንበት ዚሕልውዋን ዘየርክስዋን፡

ኪዳነይ ከኣ ኣጽኒዖም ዚሕዙ፡

 7 ንዓታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡+

ኣብ ቤት ጸሎተይ ድማ ከሐጕሶም እየ።

እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቶምን መስዋእቲ ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ።

ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ።”+

8 እቲ ተበቲኖም ንዘለዉ እስራኤል ዚእክብ+ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ብዘይካ እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ፡ ካልኦት ናብኡ ኽእክብ እየ።”+

 9 ኣቱም እንስሳታት መሮር ኵላትኩም፡

ኣቱም እንስሳታት ዱር ኵላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ።+

10 ሓለውቱ ዕዉራት እዮም፣+ ዋላ ሓዲኦም ኣየስተብሃሉን።+

ኵላቶም ዓባሳት፡ ኪነብሑ ዘይክእሉ ኣኽላባት እዮም።+

ይልህልሁን በጥ ይብሉን ኣለዉ፣ ትኻስ ይፈትዉ እዮም።

11 ብርቱዕ ሸውሃት ዘለዎም* ኣኽላባት እዮም፣

ከቶ ኣይጸግቡን እዮም።

ኣእምሮ ዘይብሎም ጓሶት እዮም።+

ኵላቶም መመገዶም ከዱ፣

ነፍሲ ወከፎም ንርእሱ ዘይግቡእ ረብሓ ይደሊ፡ ከምዚ እውን ይብል፦

12 “ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፣

ኣልኮላዊ መስተ ኽሳዕ ዚኣኽለና ንስተ።+

ጽባሕ ከም ሎሚ ኪኸውን፡ አረ ኣዝዩ ዝሓሸ እውን ኪኸውን እዩ!”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ