ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኤርምያስ ከይምርዖ፡ ከይሓዝን፡ ወይ ናብ ድግስ ከይከይድ ተነግሮ (1-9)

      • መቕጻዕትን ምምላስን (10-21)

ኤርምያስ 16:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 92-93

ኤርምያስ 16:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:2
  • +መዝ 79:2, 3፣ ኢሳ 5:25፣ ኤር 7:33፣ 9:22፣ 36:30
  • +ህዝ 5:12

ኤርምያስ 16:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 24:16, 17
  • +ዘዳ 31:17፣ ኢሳ 27:11፣ 63:10

ኤርምያስ 16:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ከሓዲት እስራኤል ዚዝውተር ዝነበረ ኣረማዊ ልምድታት ሓዘን ኪኸውን ኣለዎ።

ኤርምያስ 16:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 24:7, 8፣ ኤር 7:34፣ ራእ 18:23

ኤርምያስ 16:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:19

ኤርምያስ 16:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:12
  • +ኤር 8:1, 2
  • +ዳን 9:11፣ ኣሞ 2:4

ኤርምያስ 16:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:26
  • +ነህ 9:29፣ ኤር 6:28

ኤርምያስ 16:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 7:20፣ ኤር 15:14፣ 17:4
  • +ዘዳ 4:27, 28፣ 28:36

ኤርምያስ 16:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:2፣ ኤር 23:7, 8

ኤርምያስ 16:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:1-3፣ ኤር 3:18፣ 24:6፣ 30:3፣ 32:37፣ ኣሞ 9:14

ኤርምያስ 16:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2020፡ ገጽ 5

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 16:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኵለን መገድታቶም።”

ኤርምያስ 16:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሬሳታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:30፣ መዝ 106:38
  • +ኢሳ 40:2

ኤርምያስ 16:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 17:17
  • +ኤር 10:5, 14

ኤርምያስ 16:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 115:4፣ ኤር 2:11፣ 1ቈረ 8:4

ሓፈሻዊ

ኤር. 16:4ኤር 15:2
ኤር. 16:4መዝ 79:2, 3፣ ኢሳ 5:25፣ ኤር 7:33፣ 9:22፣ 36:30
ኤር. 16:4ህዝ 5:12
ኤር. 16:5ህዝ 24:16, 17
ኤር. 16:5ዘዳ 31:17፣ ኢሳ 27:11፣ 63:10
ኤር. 16:9ኢሳ 24:7, 8፣ ኤር 7:34፣ ራእ 18:23
ኤር. 16:10ኤር 5:19
ኤር. 16:11መሳ 2:12
ኤር. 16:11ኤር 8:1, 2
ኤር. 16:11ዳን 9:11፣ ኣሞ 2:4
ኤር. 16:12ኤር 7:26
ኤር. 16:12ነህ 9:29፣ ኤር 6:28
ኤር. 16:132ዜና 7:20፣ ኤር 15:14፣ 17:4
ኤር. 16:13ዘዳ 4:27, 28፣ 28:36
ኤር. 16:14ዘጸ 20:2፣ ኤር 23:7, 8
ኤር. 16:15ዘዳ 30:1-3፣ ኤር 3:18፣ 24:6፣ 30:3፣ 32:37፣ ኣሞ 9:14
ኤር. 16:18ዘሌ 26:30፣ መዝ 106:38
ኤር. 16:18ኢሳ 40:2
ኤር. 16:19ኤር 17:17
ኤር. 16:19ኤር 10:5, 14
ኤር. 16:20መዝ 115:4፣ ኤር 2:11፣ 1ቈረ 8:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 16:1-21

ኤርምያስ

16 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ሰበይቲ ኣይተእቱ፣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣይሃልዉኻ። 3 ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብዚኣ ዚውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብዛዕባ እተን ዚወልዳኦም ኣዴታቶምን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚወልድዎም ኣቦታቶምን የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ 4 ‘ብቐታሊ ሕማማት ኪሞቱ እዮም፣+ ሓደ እኳ ኣይኪሓዝነሎምን ወይ ኣይኪቐብሮምን እዩ፣ ኣብ ገጽ ምድሪ ደኣ ኸም ድዅዒ ኪዀኑ እዮም።+ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም፣+ ሬሳታቶም ከኣ ምግቢ ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣራዊት ምድርን ኪኸውን እዩ።’

 5 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦

‘ናብ ቤት ሕዙናት ኣይትእቶ፣

ዋይዋይ ክትብል ወይ ከተተሓዝን ኣይትኺድ።’+

‘ኣነስ ካብዚ ህዝቢ እዚ ሰላመይ ወሲደ ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡

‘ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይን ምሕረተይን እውን ከምኡ።+

 6 ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኺሞቱ እዮም።

ኣይኪቕበሩን ከኣ እዮም፣

ሓደ እኳ ኣይኪሓዝነሎምን፡

ሓደ እኳ ገዛእ ርእሱ ኣይኪበጥሓሎምን ወይ ርእሱ ኣይኪመልጠሎምን እዩ።*

 7 ነቶም ሰብ ዝሞቶም ኬጸናንዑ ኢሎም ድማ፡

እንጌራ ሕዙናት ኣይኬምጽኡሎምን እዮም፣

ኣቦኦም ወይ ኣዲኦም ንዝሞቶም ኬስትዮም ኢሉ ኸኣ፡

ጽዋእ ምጽንናዕ ዚህቦም የልቦን።

 8 ምሳታቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ድማ፡

ናብ ቤት ድግስ ኣይትእቶ።’

9 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ብመዓልትታትኩምን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምን፡ ንደሃይ ፍስሃን ታሕጓስን፡ ንድምጺ መርዓውን ንድምጺ መርዓትን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።’+

10 “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ነዚ ህዝቢ እዚ ምስ ነገርካዮ፡ ‘የሆዋ ብዛዕባ ዅሉ እዚ ዓብዪ መዓት እዚ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና እንታይ ስሕተትን እንታይ ሓጢኣትን ጌርና፧’ ኢሎም ኪሓትቱኻ እዮም።+ 11 ከምዚ ኢልካ ኸኣ መልሰሎም፦ ‘“ከመይሲ፡ ኣቦታትኩም ሓዲጎምኒ እዮም”+ ይብል የሆዋ፡ “ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስዒቦምን ኣገልጊሎምዎምን ሰጊዶምሎምን እዮም።+ ንዓይ ግና ሓዲጎምኒ፣ ሕገይ እውን ኣይሓለዉን።+ 12 ንስኻትኩም ከኣ ካብ ኣቦታትኩም ገዲድኩም፣+ ነፍሲ ወከፍ እውን ንዓይ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝ፡ ንንቕጽና እቲ እኩይ ልቡ እዩ ዚስዕብ።+ 13 ስለዚ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይፈለጥኩምዋ ምድሪ ኽድርብየኩም እየ፣+ ሞገስ ኣይከርእየኩምን እየ እሞ፡ ኣብኡ መዓልትን ለይትን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉ ኢኹም።”’+

14 “‘ግናኸ፡ ደጊም፡ “ከምቲ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ህያው ዝዀነ!”+ ዘይብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። 15 ‘የግዳስ፡ “ከምቲ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ሰሜንን ካብ ኵለን እተን እተበተኑለን ሃገራትን ዘውጽኦም የሆዋ ህያው ዝዀነ!” ዚብሃለለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፣ ኣነ ድማ ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዋ ምድሮም ክመልሶም እየ።’+

16 ‘እንሆ፡ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ እሰድድ ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡

‘ንሳቶም ከኣ ኪገፍፍዎም እዮም።

ድሕሪኡ፡ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፣

ንሳቶም ድማ ኣብ ኵሉ ኸረንን ኣብ ኵሉ ዅርባን

ካብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኪሃድንዎም እዮም።

17 ኣዒንተይሲ ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብርዎ* እየን።

ካብ ቅድመይ ኣይተሓብኡን፣

ስሕተቶም እውን ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይተሓብአን።

18 ንምድረይ ህይወት ብዘይብሎም ምስልታት* እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም መሊኦምዋ፡

ንርስተይ ከኣ ብፍንፉን ነገራት መሊኦምዋ እዮም እሞ፡+

ቀዳማይ፡ ንስሕተቶምን ንሓጢኣቶምን ምሉእ ክፈድዮም እየ።’”+

19 ኦ የሆዋ፡ ብርታዐይን ዕርደይን፡

ብመዓልቲ ጭንቂ መህደምየይ፡+

ኣህዛብ ካብ ወሰናት ምድሪ ናባኻ ኺመጹ፡

“ኣቦታትና ፍጹም ሓሶት፡

ከንቱነትን ዘይጠቅም ነገርን ወሪሶም” ድማ ኪብሉ እዮም።+

20 ሰብዶ ንርእሱ ኣማልኽቲ ኺገብር ይኽእል እዩ፧

ንሳቶምሲ ብሓቂ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+

21 “ስለዚ፡ ከፍልጦም እየ፣

በዚ ግዜ እዚ ሓይለይን ብርታዐይን ከፍልጦም እየ፣

ስመይ የሆዋ ምዃኑ ድማ ኪፈልጡ እዮም።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ