ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 40
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ነቡዛራዳን ንኤርምያስ ፈትሖ (1-6)

      • ገዳልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ተሸመ (7-12)

      • ንገዳልያ እተኣልመሉ ውዲት (13-16)

ኤርምያስ 40:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:9፣ 52:12, 13
  • +እያ 18:21, 25

ኤርምያስ 40:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:7

ኤርምያስ 40:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:11, 12

ኤርምያስ 40:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:22፣ ኤር 39:13, 14፣ 41:2
  • +2ነገ 22:12, 13፣ ኤር 26:24
  • +2ነገ 22:8

ኤርምያስ 40:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:1፣ 1ነገ 15:22

ኤርምያስ 40:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:22፣ ኤር 39:10

ኤርምያስ 40:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:23
  • +2ነገ 25:25
  • +ኤር 41:11, 16፣ 43:2
  • +ኤር 42:1, 2

ኤርምያስ 40:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:24፣ ኤር 27:11

ኤርምያስ 40:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ክቐውምሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:10

ኤርምያስ 40:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ ኺወቕዓ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 41:10
  • +ኤር 41:2

ኤርምያስ 40:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ ዚወቕዓ።”

ኤርምያስ 40:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:22

ሓፈሻዊ

ኤር. 40:1ኤር 39:9፣ 52:12, 13
ኤር. 40:1እያ 18:21, 25
ኤር. 40:3ኤር 50:7
ኤር. 40:4ኤር 39:11, 12
ኤር. 40:52ነገ 25:22፣ ኤር 39:13, 14፣ 41:2
ኤር. 40:52ነገ 22:12, 13፣ ኤር 26:24
ኤር. 40:52ነገ 22:8
ኤር. 40:6መሳ 20:1፣ 1ነገ 15:22
ኤር. 40:72ነገ 25:22፣ ኤር 39:10
ኤር. 40:82ነገ 25:23
ኤር. 40:82ነገ 25:25
ኤር. 40:8ኤር 41:11, 16፣ 43:2
ኤር. 40:8ኤር 42:1, 2
ኤር. 40:92ነገ 25:24፣ ኤር 27:11
ኤር. 40:10ኤር 39:10
ኤር. 40:14ኤር 41:10
ኤር. 40:14ኤር 41:2
ኤር. 40:162ነገ 25:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 40:1-16

ኤርምያስ

40 ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርምያስ ምስ ኵሎም እቶም ናብ ባቢሎን ዚውሰዱ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌምን ይሁዳን ብመቝሕ ኣሲሩ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ራማ+ ምስ ፈትሖ፡ ናብ ኤርምያስ ቃል የሆዋ መጸ። 2 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርምያስ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽካ፡ እዚ መዓት እዚ ነዛ ቦታ እዚኣ ተዛሪቡላ ነይሩ እዩ፣ 3 ንስኻትኩም ንየሆዋ ስለ ዝበደልኩምዎን ድምጹ ስለ ዘይተኣዘዝኩምን ከኣ፡ የሆዋ ኸምቲ ዝበሎ ኣምጺእዎ እዩ። ስለዚ እዩ እዚ ዀይኑ ዘሎ።+ 4 ሕጂ ድማ ኣነ ሎሚ ኻብቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ መቝሕ እፈትሓካ ኣለኹ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ጽቡቕ እንተ መሲሉካ፡ ንዓናይ፣ ኣነ እውን ክከናኸነካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፡ ኣይትኺድ። እንሆ፡ ብዘላ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ናብ ዝሓረኻዮ ኺድ።”+

5 ኤርምያስ ከይተመልሰ ምስ ጸንሐ፡ ነቡዛራዳን፡ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ተመለስ እሞ ምስኡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጥ፣ ወይ ናብ ዝሓረኻዮ ኺድ” በሎ።

ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ስንቅን ህያብን ሂቡ ኣሰናበቶ። 6 ስለዚ፡ ኤርምያስ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ናብ ሚጽጳ+ ኸደ፣ ምስኡ እውን ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ህዝቢ ተቐመጠ።

7 ኵሎም እቶም ኣብ መሮር ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊት ምስ ሰቦም ድማ፡ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ኸም ዝሸሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ድኻታት እታ ምድሪ ናብ ባቢሎን ብምርኮ ዘይተወስዱ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ከኣ ከም ዝሸሞ ሰምዑ።+ 8 ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ ድማ መጹ።+ ንሳቶም ከኣ እስማኤል+ ወዲ ነታንያ፡ ዮሓናንን+ ዮናታንን ደቂ ቃሬሃ፡ ሰራያ ወዲ ታንሑመት፡ ደቂ ዔፋይ እቲ ነጦፋታዊ፡ የዘንያ+ ወዲ እቲ ማዓካታዊ፡ እዚኣቶም ምስ ሰቦም ነበሩ። 9 ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ድማ ንዓታቶምን ንሰቦምን ከምዚ ኢሉ መሓለሎም፦ “ንከለዳውያን ከይፈራህኩም ተገዝእዎም። ኣብዛ ምድሪ ተቐመጡ፣ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ፣ ጽቡቕ ድማ ኪዀነልኩም እዩ።+ 10 ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዚመጹ ከለዳውያን ክውክለኩምሲ፡* ኣብ ሚጽጳ ክቕመጥ እየ። ንስኻትኩም ግና ወይንን ፍረታት ሓጋይን ዘይትን ኣክቡ፣ ኣብ ኣቕሑኹም ድማ ኣንብርዎ እሞ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታት ተቐመጡ።”+

11 ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ዓሞንን ኤዶምን ኣብ ኵለን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፡ ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝሸሞ ሰምዑ። 12 ስለዚ፡ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ኵሉ እቲ ተበቲኖምሉ ዝነበሩ ቦታታት ተመልሱ፣ ናብ ምድሪ ይሁዳ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ ኸኣ መጹ። ኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረታት ሓጋይን ድማ ኣከቡ።

13 ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ኣብ መሮር ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ከኣ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ። 14 ንሳቶም ድማ፡ “ብዓሊስ ንጉስ ዓሞናውያን+ ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኪቐትለካ* ኢሉ ኸም ዝለኣኾዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧”+ በልዎ። ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ግና ኣይኣመኖምን።

15 ሽዑ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃ ንገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ብምስጢር፡ “ሓደ እኳ ኸይፈለጠ፡ ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኸይደ ክቐትሎ። ስለምንታይ ንሱ ዚቐትለካ፧* ስለምንታይከ ዅሉ እቲ ናባኻ እተኣከበ ህዝቢ ይሁዳ ፋሕ ዚብል፡ እቶም ተረፍ ይሁዳ እውን ዚጠፍኡ፧” በሎ። 16 ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም ግና ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃ፡ “እቲ ብዛዕባ እስማኤል እትብሎ ዘለኻ ሓሶት እዩ እሞ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣይትግበሮ” በሎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ