ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ብቤተ መቕደስ የሆዋ ዚእመንዎ ናይ ሓሶት እምንቶ (1-11)

      • እታ ቤተ መቕደስ ከም ሺሎ ኽትከውን እያ (12-15)

      • ልባዊ ዘይኰነ ኣምልኾ ተዀነነ (16-34)

        • “ንንግስቲ ሰማይ” ኣምለኽዋ (18)

        • ኣብ ሂኖም እተገብረ መስዋእቲ ውሉዳት (31)

ኤርምያስ 7:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 26:13

ኤርምያስ 7:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እዚኣቶም እዮም።” ንዅሉ እቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ህንጻታት የመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 3:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 10

ኤርምያስ 7:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:12፣ 22:3

ኤርምያስ 7:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሎምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 24:17፣ መዝ 82:3፣ ዘካ 7:9, 10፣ ያእ 1:27
  • +ዘዳ 8:19

ኤርምያስ 7:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም።”

ኤርምያስ 7:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:10፣ ኤር 5:31፣ 14:14

ኤርምያስ 7:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓጢንኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:14፣ ሚክ 2:2
  • +ኤር 5:2
  • +ኤር 11:13

ኤርምያስ 7:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    3/2017፡ ገጽ 3

ኤርምያስ 7:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 21:13፣ ማር 11:17፣ ሉቃ 19:45, 46

ኤርምያስ 7:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:1
  • +ዘዳ 12:5, 11
  • +1ሳሙ 4:11፣ መዝ 78:60፣ ኤር 26:6, 9

ኤርምያስ 7:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 25:3, 4
  • +ኢሳ 65:12

ኤርምያስ 7:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:4
  • +2ነገ 25:8, 9
  • +1ሳሙ 4:10, 11፣ መዝ 78:60፣ ኤር 26:4, 6፣ ድጕ 2:7

ኤርምያስ 7:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:22, 23

ኤርምያስ 7:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:1
  • +ዘጸ 32:9, 10፣ ኤር 11:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 139

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2001፡ ገጽ 30-31

ኤርምያስ 7:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መጸውዒ ሓንቲ ብኸሓድቲ እስራኤላውያን እትምለኽ ዝነበረት ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ፍርያምነት ክትከውን ትኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 44:17
  • +ኢሳ 57:6፣ ኤር 19:13፣ ህዝ 20:28

ኤርምያስ 7:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜዀርዩ፣ ዜቘጥዑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 9:7

ኤርምያስ 7:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:3
  • +2ነገ 22:17፣ ኤር 17:27

ኤርምያስ 7:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:11፣ ኤር 6:20፣ ሆሴ 8:13፣ ኣሞ 5:21

ኤርምያስ 7:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:22፣ ሆሴ 6:6

ኤርምያስ 7:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:5፣ ዘሌ 26:3, 12
  • +ዘዳ 5:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/1999፡ ገጽ 29

ኤርምያስ 7:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብምኽሮም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:8
  • +ሆሴ 4:16፣ ዘካ 7:12

ኤርምያስ 7:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 9:7፣ 1ሳሙ 8:8
  • +2ነገ 17:13፣ 2ዜና 36:15፣ ነህ 9:17, 30፣ ኤር 25:4

ኤርምያስ 7:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ክሳዶም ኣትረሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:10፣ ኤር 25:3

ኤርምያስ 7:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 26:2፣ ህዝ 2:7

ኤርምያስ 7:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ኣፎም ተቘሪጻ እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:1፣ ሚክ 7:2

ኤርምያስ 7:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተወፈየ።”

ኤርምያስ 7:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:1, 4፣ 2ዜና 33:1, 4፣ ኤር 23:11፣ 32:34

ኤርምያስ 7:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓሳበይ።”

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ገሃነም” ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:29-31፣ 2ነገ 17:17፣ 2ዜና 28:1, 3፣ 33:1, 6፣ ህዝ 20:31
  • +እያ 15:8, 12
  • +ዘሌ 18:21፣ 20:3፣ ኤር 19:5, 6፣ 32:35

ኤርምያስ 7:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ገሃነም” ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 19:11፣ ህዝ 6:4, 5

ኤርምያስ 7:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:26፣ መዝ 79:2፣ ኤር 16:4

ኤርምያስ 7:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:33፣ ኢሳ 1:7፣ 6:11
  • +ኢሳ 24:8፣ ኤር 25:10

ሓፈሻዊ

ኤር. 7:3ኤር 26:13
ኤር. 7:4ሚክ 3:11
ኤር. 7:5ኤር 21:12፣ 22:3
ኤር. 7:6ዘዳ 24:17፣ መዝ 82:3፣ ዘካ 7:9, 10፣ ያእ 1:27
ኤር. 7:6ዘዳ 8:19
ኤር. 7:8ኢሳ 30:10፣ ኤር 5:31፣ 14:14
ኤር. 7:9ኢሳ 3:14፣ ሚክ 2:2
ኤር. 7:9ኤር 5:2
ኤር. 7:9ኤር 11:13
ኤር. 7:11ማቴ 21:13፣ ማር 11:17፣ ሉቃ 19:45, 46
ኤር. 7:12እያ 18:1
ኤር. 7:12ዘዳ 12:5, 11
ኤር. 7:121ሳሙ 4:11፣ መዝ 78:60፣ ኤር 26:6, 9
ኤር. 7:132ዜና 36:15, 16፣ ኤር 25:3, 4
ኤር. 7:13ኢሳ 65:12
ኤር. 7:14ኤር 7:4
ኤር. 7:142ነገ 25:8, 9
ኤር. 7:141ሳሙ 4:10, 11፣ መዝ 78:60፣ ኤር 26:4, 6፣ ድጕ 2:7
ኤር. 7:152ነገ 17:22, 23
ኤር. 7:16ኤር 15:1
ኤር. 7:16ዘጸ 32:9, 10፣ ኤር 11:14
ኤር. 7:18ኤር 44:17
ኤር. 7:18ኢሳ 57:6፣ ኤር 19:13፣ ህዝ 20:28
ኤር. 7:19ዳን 9:7
ኤር. 7:20ድጕ 2:3
ኤር. 7:202ነገ 22:17፣ ኤር 17:27
ኤር. 7:21ኢሳ 1:11፣ ኤር 6:20፣ ሆሴ 8:13፣ ኣሞ 5:21
ኤር. 7:221ሳሙ 15:22፣ ሆሴ 6:6
ኤር. 7:23ዘጸ 19:5፣ ዘሌ 26:3, 12
ኤር. 7:23ዘዳ 5:29
ኤር. 7:24ዘጸ 32:8
ኤር. 7:24ሆሴ 4:16፣ ዘካ 7:12
ኤር. 7:25ዘዳ 9:7፣ 1ሳሙ 8:8
ኤር. 7:252ነገ 17:13፣ 2ዜና 36:15፣ ነህ 9:17, 30፣ ኤር 25:4
ኤር. 7:262ዜና 33:10፣ ኤር 25:3
ኤር. 7:27ኤር 26:2፣ ህዝ 2:7
ኤር. 7:28ኤር 5:1፣ ሚክ 7:2
ኤር. 7:302ነገ 21:1, 4፣ 2ዜና 33:1, 4፣ ኤር 23:11፣ 32:34
ኤር. 7:31ዘዳ 12:29-31፣ 2ነገ 17:17፣ 2ዜና 28:1, 3፣ 33:1, 6፣ ህዝ 20:31
ኤር. 7:31እያ 15:8, 12
ኤር. 7:31ዘሌ 18:21፣ 20:3፣ ኤር 19:5, 6፣ 32:35
ኤር. 7:32ኤር 19:11፣ ህዝ 6:4, 5
ኤር. 7:33ዘዳ 28:26፣ መዝ 79:2፣ ኤር 16:4
ኤር. 7:34ዘሌ 26:33፣ ኢሳ 1:7፣ 6:11
ኤር. 7:34ኢሳ 24:8፣ ኤር 25:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 7:1-34

ኤርምያስ

7 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “ኣብ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ደው በል እሞ ኣብኡ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣውጅ፦ ‘ኣቱም ንየሆዋ ኽትሰግዱ በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን እትኣትዉ ህዝቢ ይሁዳ ዅላትኩም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 3 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣሐድሱ፣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኽትነብሩ ድማ ክፈቕደልኩም እየ።+ 4 ‘ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እዚኣ እያ!’* ኢልኩም ብመታለሊ ቓላት ኣይትተኣመኑ።+ 5 ብሓቂ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን እንተ ኣሐዲስኩም፡ ኣብ መንጎ ሰብን ብጻዩን ብሓቂ ፍትሒ እንተ ጌርኩም፡+ 6 ንጓኖትን ንዘኽታማትን* ንመበለታትን እንተ ዘይጨቊንኩም፡+ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፡ ንጕድኣትኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይስዒብኩም፡+ 7 ሽዑ ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ኣብዛ ንኣቦታትኩም ንሓዋሩ* ዝሃብክዎም ምድሪ እዚኣ ኽትነብሩ ኽፈቕደልኩም እየ።”’”

8 “ንስኻትኩም ግና ብመታለሊ ቓላት ትእመኑ ኣለኹም፣+ ንሱስ ሓንቲ እኳ ዘይጠቅም እዩ። 9 ሰሪቕኩም፡+ ቀቲልኩም፡ ዘሚኹም፡ ብሓሶት ምሒልኩም፡+ ንበዓል ሰዊእኩም፡*+ ደድሕሪ ዘይፈለጥኩምዎም ኣማልኽቲ ስዒብኩም ክነስኹምሲ፡ 10 መጺእኩምዶ ኣብዛ ስመይ ዝጾረት ቤት ኣብ ቅድመይ ክትቈሙን እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት እናገበርኩም ‘ክንድሕን ኢና’ ኽትብሉን ኢኹም፧ 11 እዛ ስመይ ዚጽውዓላ ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰይና እያ፧+ እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ ኣለኹ” ይብል የሆዋ።

12 “‘ግናኸ፡ ሕጂ ናብ ሺሎ፡+ ናብታ ኣብ ፈለማ ስመይ ዘንበርኩላ ቦታ+ ኺዱ፣ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከኣ እንታይ ከም ዝገበርክዋ ርኣዩ።+ 13 ንስኻትኩም ግና እዚ ዅሉ ትገብሩ ኣለኹም’ ይብል የሆዋ፡ ‘ደጋጊመ* እኳ እንተ ተዛረብኩኹም ድማ፡ ኣይሰማዕኩምን።+ ጸዊዐኩም፡ ግናኸ ኣይመለስኩምን።+ 14 ስለዚ፡ ነዛ እትእመኑላ+ ዘለኹም ስመይ ዚጽውዓላ ቤት እዚኣ፡+ ነዛ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝሃብክዋ ቦታ እዚኣ፡ ከምቲ ንሺሎ ዝገበርክዋ ኽገብራ እየ።+ 15 ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዝደርበኽዎም፡ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብየኩም እየ።’+

16 “ንስኻ ኸኣ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ። ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡+ ምእንታኦም ኣይተእዊ፡ ኣይትጸሊ፡ ወይ ኣይትለምን።+ 17 ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ዚገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ፧ 18 ደቂ፡ ዕንጨይቲ ይእክቡ፡ ኣቦታት ከኣ ሓዊ ይኣጕዱ ኣለዉ፣ ኣንስቲ ድማ ንንግስቲ ሰማይ* መስዋእቲ እንጌራ ኺስንክታስ ብሑቝ ይለውሳ ኣለዋ፣+ ኬዀርዩንስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ መስዋእቲ መስተ የፍስሱ ኣለዉ።+ 19 ‘ግናኸ፡ ንዓይ ድዮም ዚጐድኡ* ዘለዉ፧’ ይብል የሆዋ። ‘ምእንቲ ኺሓፍሩስ፡ ንርእሶም ደይኰኑን፧’+ 20 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ቍጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ኣብ ሰብን እንስሳን፡ ኣብ ኣእዋም መሮርን ፍረ ምድርን ኪክዖ እዩ፣+ ኪነድድ፡ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ።’+

21 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ኪዱ፡ ነቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹም፡ መስዋእቲ ሕሩድ ወስኹሉ፣ ነቲ ስጋ ድማ ብልዕዎ።+ 22 በታ ንኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን ብዛዕባ መስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን፡ ወይ ኣይኣዘዝክዎምን።+ 23 እዚ ደኣ እየ ዝኣዘዝክዎም፦ “ድምጸይ ተኣዘዙ እሞ፡ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም።+ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልኩም፡ ብዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም መገዲ ተመላለሱ።”’+ 24 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ወይ እዝኖም ኣየድነኑን፣+ ንእኩይ ልቦም ብንቕጽና እናሰዓቡ ደኣ እዮም ብሓሳቦም* እተመላለሱ፣+ ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ምኻድ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም፣ 25 ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ገይሮም።+ ስለዚ፡ ኵሎም ገላዎይ ነብያት ልኢኸልኩም፣ መዓልቲ መዓልቲ ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ 26 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑንን፣ እዝኖም እውን ናባይ ኣየድነኑን።+ የግዳስ፡ ነቓጻት እዮም ነይሮም፣* ካብ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገይሮም!

27 “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ኽትዛረቦም ኢኻ፣+ ግናኸ፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፣ ክትጽውዖም ኢኻ፣ ግናኸ፡ ኣይኪምልሱልካን እዮም። 28 ‘ድምጺ የሆዋ ኣምላኹ ዘይተኣዘዘ፡ ተግሳጽ ከኣ ምቕባል ዝኣበየ ህዝቢ እዚ እዩ። ተኣማንነት ጠፍአት፣ ኣብ መንጎኦም ከኣ ዋላ እኳ ኣይትጥቀስን እያ’* ኽትብሎም ኢኻ።+

29 “የሆዋ ነዚ ዘቘጥዖ ወለዶ እዚ ደርብይዎ እዩ፡ ክሓድጎ እውን እዩ እሞ፡ ዘይተቘርጸ* ጸጕርኺ ላጺኺ ደርብዪ፣ ኣብ መላጥ ኵርባታት ልቕሶ ግበሪ። 30 ‘ደቂ ይሁዳስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ገይሮም እዮም’ ይብል የሆዋ። ‘ምእንቲ ኼርክስዋስ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ኣብታ ስመይ ዚጽውዓላ ቤት ኣቚሞምዎም እዮም።+ 31 ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ኣብ ልበይ* ከቶ ዘይመጸንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ብሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡+ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡*+ በረኽቲ ቶፌት ሰሪሖም።’+

32 “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ንሳ ቶፌት ወይ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም* ተባሂላ ዘይትጽውዓለን፡ የግዳስ፡ ስንጭሮ ማሕረዲ እትብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ቦታ ኽሳዕ ዚስኣን፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።+ 33 ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንእንስሳታት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ፣ ያዕ ዚብሎም እውን ኣይኪህሉን እዩ።+ 34 እታ ምድሪ ኽትዓኑ እያ እሞ፡+ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ንደሃይ ፍስሃን ንደሃይ ታሕጓስን፡ ንድምጺ መርዓውን ንድምጺ መርዓትን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ