ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ደርቅን ጥሜትን ሰይፍን (1-12)

      • ናይ ሓሶት ነብያት ተዀነኑ (13-18)

      • ኤርምያስ፡ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ተኣመነ (19-22)

ኤርምያስ 14:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:24

ኤርምያስ 14:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 1:10

ኤርምያስ 14:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንንኣሽቱኦም።”

  • *

    ወይ፡ “መዕቘሪታት ማይ።”

ኤርምያስ 14:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:20፣ ዘዳ 28:23

ኤርምያስ 14:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጋውሕታታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 12:4፣ ዮኤ 1:18

ኤርምያስ 14:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 7:9፣ መዝ 25:11፣ 115:1, 2
  • +እዝ 9:6፣ ነህ 9:33፣ ዳን 9:5, 8

ኤርምያስ 14:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 106:8, 21፣ ኢሳ 45:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንቕሑ!፡

    22/4/2004፡

ኤርምያስ 14:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:45፣ ዘዳ 23:14
  • +ዳን 9:19

ኤርምያስ 14:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:23
  • +ኤር 2:25
  • +ኤር 6:20
  • +ሆሴ 8:13

ኤርምያስ 14:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:16፣ 11:14

ኤርምያስ 14:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሕማምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:16፣ ህዝ 5:12
  • +ኢሳ 1:15፣ 58:3፣ ኤር 11:11፣ ህዝ 8:18
  • +ኢሳ 1:11

ኤርምያስ 14:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:10፣ 5:31፣ 6:13, 14፣ 23:16, 17፣ 27:8-10፣ ህዝ 13:10፣ ሚክ 3:11

ኤርምያስ 14:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:25, 26፣ 29:21
  • +ኤር 23:21፣ 27:15
  • +ድጕ 2:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2008፡ ገጽ 5

ኤርምያስ 14:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:12, 13፣ 23:15፣ ህዝ 12:24፣ 13:9

ኤርምያስ 14:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:18
  • +መዝ 79:2, 3፣ ኤር 9:22

ኤርምያስ 14:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 1:15
  • +ኤር 8:18, 21፣ 9:1

ኤርምያስ 14:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 7:15
  • +ድጕ 5:10
  • +ዘዳ 28:36

ኤርምያስ 14:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻዶ ንጽዮን ፈንፊናታ እያ፧”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 12:8፣ ድጕ 5:22
  • +2ዜና 36:15, 16
  • +ኤር 8:15

ኤርምያስ 14:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 9:7፣ ዳን 9:5, 8

ኤርምያስ 14:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 36:22፣ ዳን 9:15
  • +ዘጸ 32:13፣ ዘሌ 26:41, 42፣ መዝ 106:45

ኤርምያስ 14:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:12፣ ኢሳ 30:23፣ ዮኤ 2:23

ሓፈሻዊ

ኤር. 14:1ዘዳ 28:24
ኤር. 14:2ዮኤ 1:10
ኤር. 14:4ዘሌ 26:20፣ ዘዳ 28:23
ኤር. 14:6ኤር 12:4፣ ዮኤ 1:18
ኤር. 14:7እያ 7:9፣ መዝ 25:11፣ 115:1, 2
ኤር. 14:7እዝ 9:6፣ ነህ 9:33፣ ዳን 9:5, 8
ኤር. 14:8መዝ 106:8, 21፣ ኢሳ 45:15
ኤር. 14:9ዘጸ 29:45፣ ዘዳ 23:14
ኤር. 14:9ዳን 9:19
ኤር. 14:10ኤር 2:23
ኤር. 14:10ኤር 2:25
ኤር. 14:10ኤር 6:20
ኤር. 14:10ሆሴ 8:13
ኤር. 14:11ኤር 7:16፣ 11:14
ኤር. 14:12ኤር 9:16፣ ህዝ 5:12
ኤር. 14:12ኢሳ 1:15፣ 58:3፣ ኤር 11:11፣ ህዝ 8:18
ኤር. 14:12ኢሳ 1:11
ኤር. 14:13ኤር 4:10፣ 5:31፣ 6:13, 14፣ 23:16, 17፣ 27:8-10፣ ህዝ 13:10፣ ሚክ 3:11
ኤር. 14:14ኤር 23:25, 26፣ 29:21
ኤር. 14:14ኤር 23:21፣ 27:15
ኤር. 14:14ድጕ 2:14
ኤር. 14:15ኤር 5:12, 13፣ 23:15፣ ህዝ 12:24፣ 13:9
ኤር. 14:16ኤር 4:18
ኤር. 14:16መዝ 79:2, 3፣ ኤር 9:22
ኤር. 14:17ድጕ 1:15
ኤር. 14:17ኤር 8:18, 21፣ 9:1
ኤር. 14:18ህዝ 7:15
ኤር. 14:18ድጕ 5:10
ኤር. 14:18ዘዳ 28:36
ኤር. 14:19ኤር 12:8፣ ድጕ 5:22
ኤር. 14:192ዜና 36:15, 16
ኤር. 14:19ኤር 8:15
ኤር. 14:20እዝ 9:7፣ ዳን 9:5, 8
ኤር. 14:21ህዝ 36:22፣ ዳን 9:15
ኤር. 14:21ዘጸ 32:13፣ ዘሌ 26:41, 42፣ መዝ 106:45
ኤር. 14:22ዘዳ 28:12፣ ኢሳ 30:23፣ ዮኤ 2:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 14:1-22

ኤርምያስ

14 እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦+

 2 ይሁዳ ትሓዝን ኣላ፣+ ኣፍ ደገታታ ድማ ጸምልዮም ኣለዉ።

ጕህዮም ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኣለዉ፣

ካብ የሩሳሌም ከኣ ኣውያት ይወጽእ ኣሎ።

 3 ጐይተታ ንገላዉኦም* ማይ ኬምጽኡ ይልእኽዎም።

ናብ ጐዳጕዲ ማይ* ከይዶም፡ ማይ ኣይረኽቡን።

ንኣቕሑኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ኸኣ ይምለሱ።

ሓፊሮምን ሓኒኾምን ኣለዉ፣

ርእሶም ከኣ ይጕልብቡ ኣለዉ።

 4 ኣብታ ምድሪ ዝናም የልቦን እሞ፡+

እታ መሬት ስለ ዝነቓቕዐት፡

ሓረስቶት ተዳሂሎምን ርእሶም ተጐልቢቦምን ኣለዉ።

 5 ሳዕሪ ስለ ዘየልቦ፡

እራብ መሮር እኳ ንማሕስኣ ትሓድግ።

 6 ኣእዱግ በረኻ ኣብ መላጥ ኵርባታት ደው ይብላ።

ከም ወኻሩ* ኣየር ደልየን ይልህልሃ፣

ኣትክልቲ ስለ ዘየልቦ፡ ኣዒንተን ይጠልማአን።+

 7 ስሕተትና ዚምስክረልና እኳ እንተ ዀነ፡

ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ግበር።+

ጥልመትናስ ብዙሕ እዩ፣+

ንዓኻ ኸኣ ኢና በዲልና።

 8 ኦ ተስፋ እስራኤል፡ ብግዜ ጭንቂ መድሓኒኡ፡+

ስለምንታይ ኢኻ ኣብታ ምድሪ ኸም ጋሻ፡

ሓንቲ ለይቲ ጥራይ ከም ዚሓድር ተጓዓዚ ዝዀንካ፧

 9 ስለምንታይ ኢኻ ኸም እተዓንደ ሰብ፡

ኬድሕን ከም ዘይክእል ጅግና ዝዀንካ፧

ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ መንጎና ኢኻ፣+

ብስምካ ኸኣ ንጽዋዕ ኣለና።+

ኣይትሕደገና።

10 የሆዋ ብዛዕባ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኰለል ምባል ይፈትዉ እዮም፣+ ንኣእጋሮም ኣይቀየድወንን።+ ስለዚ፡ የሆዋ ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+ ሕጂ ንስሕተቶም ኪዝክሮ፡ ብሓጢኣቶም ከኣ ተሓተትቲ ኺገብሮም እዩ።”+

11 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ንጽቡቕ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ።+ 12 ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ከጥፍኦም እየ እሞ፡+ ኪጾሙ ኸለዉ፡ ልማኖኦም ኣይሰምዕን እየ፣+ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”+

13 ኣነ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ነብያት፡ ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ናይ ሓቂ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይትርእዩን፡ ጥሜት እውን ኣይኪመጸኩምን እዩ’ ይብልዎም ኣለዉ” በልኩ።+

14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “እቶም ነብያት ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ።+ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን።+ ናይ ሓሶት ራእያትን ከንቱ ጥንቈላን ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።+ 15 ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣነ ዘይለኣኽክዎም፡ ኣብታ ምድሪ ሰይፊ ዀነ ጥሜት ኣይኪኸውንን እዩ ዚብሉ ብስመይ ዚንበዩ ነብያት ከምዚ ይብል፦ ‘እዞም ነብያት እዚኦም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም።+ 16 ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ኸኣ፡ እቲ ዚግብኦም መዓት ክኽዕወሎም እየ እሞ፡+ ብሰሪ እቲ ጥሜትን ሰይፍን፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ዚቐብሮም ዘይብሎም+ ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ኪድርበዩ እዮም።’

17 “ነዚ ቓላት እዚ ተዛረቦም፣

‘ድንግል ጓል ህዝበይ ምሉእ ብምሉእ ተጨፍሊቓን ተሰይራን፡+

ኣዝዩ ብርቱዕ ቍስሊ ኸኣ ቈሲላ እያ እሞ፡

ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ።+

18 ናብ መሮር እንተ ወጺአ፡

እንሆ፡ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ እርኢ ኣለኹ!+

ናብ ከተማ እንተ ኣትየ፡

ብጥሜት ዝሓመሙ እርኢ ኣለኹ!+

እቶም ነብያትን ካህናትንሲ ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ ዞይሮም።’”+

19 ካንዶ ንይሁዳ ጠሪስካ ደርቢኻያ ኢኻ፧ ንጽዮንዶኸ ፈንፊንካያ ኢኻ፧*+

ስለምንታይ ከም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቒዕካና፧+

ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን፣

ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+

20 ኦ የሆዋ፡ ንዓኻ በዲልና ኢና እሞ፡+

እከይናን ስሕተት ኣቦታትናን

ንእመን ኣለና።

21 ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደርብየና።+

ነቲ ኽቡር ዝፋንካ ኣይትንዓቆ።

ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ።+

22 ካብቶም ከንቱ ጣኦታት ኣህዛብ ዝናም ኬዝንም ዚኽእልዶ ኣሎ፧

ሰማያትከ ባዕላቶም ብርቱዕ ካፋ ኬኻፍዩ ይኽእሉዶ፧

ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣይኰንካን፧+

ንስኻ በይንኻ ነዚ ዅሉ ጌርካ ኢኻ እሞ፡

ብኣኻ ተስፋ ንገብር ኢና።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ