ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ከበባ የሩሳሌም ቀረበ (1-9)

      • ነድሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም (10-21)

        • ሰላም ዘየልቦስ፡

      • ካብ ሰሜን ዚመጹ ጨካናት ወረርቲ (22-26)

      • ኤርምያስ መርማሪ ብረት ይኸውን (27-30)

ኤርምያስ 6:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:14፣ 10:22
  • +2ዜና 11:5, 6፣ ኣሞ 1:1
  • +ኤር 4:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2007፡ ገጽ 14

ኤርምያስ 6:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:16

ኤርምያስ 6:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:16, 17
  • +2ነገ 25:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18-19

ኤርምያስ 6:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”

ኤርምያስ 6:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17, 19፣ ኣሞ 2:5

ኤርምያስ 6:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 21:21, 22
  • +2ነገ 21:16፣ ህዝ 7:23

ኤርምያስ 6:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሓድሹ፣ ከይበለየ።”

  • *

    ወይ፡ “ብሓድሹ፣ ከይበለየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 7:11፣ ሚክ 2:2

ኤርምያስ 6:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ፈንፊናትኪ ኻባኺ ኽትምለስ እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 23:18
  • +ዘሌ 26:34፣ ኤር 9:11

ኤርምያስ 6:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እዝኖም ከይተቕልብ ዘይተገዝረት እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:10፣ ግብ 7:51
  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 20:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 7/2021፡ ገጽ 11

ኤርምያስ 6:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታቶም ዝመልኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:9
  • +ኤር 18:21
  • +ህዝ 9:6

ኤርምያስ 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:30፣ ኤር 8:10፣ ድጕ 5:11፣ ጸፎ 1:13

ኤርምያስ 6:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 22:12
  • +ኤር 2:8፣ 8:10-12፣ 23:11፣ ሚክ 3:5, 11፣ ጸፎ 3:4

ኤርምያስ 6:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ላዕለ ላዕሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:13፣ 23:16, 17፣ ህዝ 13:10፣ 1ተሰ 5:3

ኤርምያስ 6:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:3

ኤርምያስ 6:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኹም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:21
  • +ኤር 18:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 10

    1/11/2005፡ ገጽ 23-25

ኤርምያስ 6:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 58:1
  • +ኤር 25:4፣ ህዝ 3:17፣ ኣን 2:1
  • +ዘካ 7:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 122-123

ኤርምያስ 6:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንትምህርተይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:25, 26፣ ዳን 9:12

ኤርምያስ 6:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምዑዝ ሻምብቆ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:11፣ 66:3፣ ኤር 7:21፣ ኣሞ 5:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2006፡ ገጽ 5

ኤርምያስ 6:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17፣ ድጕ 2:21

ኤርምያስ 6:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:14፣ 25:9

ኤርምያስ 6:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣን 1:8

ኤርምያስ 6:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 21:7
  • +ኤር 4:31

ኤርምያስ 6:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:8
  • +ኤር 15:8
  • +ድጕ 1:2, 16

ኤርምያስ 6:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንኤርምያስ።

ኤርምያስ 6:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:1፣ 48:4፣ ኤር 5:23
  • +ኤር 9:4

ኤርምያስ 6:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:7፣ ህዝ 22:20
  • +ህዝ 24:13

ኤርምያስ 6:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:19፣ ድጕ 5:22

ሓፈሻዊ

ኤር. 6:1ኤር 1:14፣ 10:22
ኤር. 6:12ዜና 11:5, 6፣ ኣሞ 1:1
ኤር. 6:1ኤር 4:5
ኤር. 6:2ኢሳ 3:16
ኤር. 6:3ኤር 4:16, 17
ኤር. 6:32ነገ 25:1
ኤር. 6:52ዜና 36:17, 19፣ ኣሞ 2:5
ኤር. 6:6ህዝ 21:21, 22
ኤር. 6:62ነገ 21:16፣ ህዝ 7:23
ኤር. 6:7ህዝ 7:11፣ ሚክ 2:2
ኤር. 6:8ህዝ 23:18
ኤር. 6:8ዘሌ 26:34፣ ኤር 9:11
ኤር. 6:10ኢሳ 6:10፣ ግብ 7:51
ኤር. 6:102ዜና 36:15, 16፣ ኤር 20:8
ኤር. 6:11ኤር 20:9
ኤር. 6:11ኤር 18:21
ኤር. 6:11ህዝ 9:6
ኤር. 6:12ዘዳ 28:30፣ ኤር 8:10፣ ድጕ 5:11፣ ጸፎ 1:13
ኤር. 6:13ህዝ 22:12
ኤር. 6:13ኤር 2:8፣ 8:10-12፣ 23:11፣ ሚክ 3:5, 11፣ ጸፎ 3:4
ኤር. 6:14ኤር 14:13፣ 23:16, 17፣ ህዝ 13:10፣ 1ተሰ 5:3
ኤር. 6:15ኤር 3:3
ኤር. 6:16ኢሳ 30:21
ኤር. 6:16ኤር 18:15
ኤር. 6:17ኢሳ 58:1
ኤር. 6:17ኤር 25:4፣ ህዝ 3:17፣ ኣን 2:1
ኤር. 6:17ዘካ 7:11
ኤር. 6:19ዘዳ 4:25, 26፣ ዳን 9:12
ኤር. 6:20ኢሳ 1:11፣ 66:3፣ ኤር 7:21፣ ኣሞ 5:21
ኤር. 6:212ዜና 36:17፣ ድጕ 2:21
ኤር. 6:22ኤር 1:14፣ 25:9
ኤር. 6:23ኣን 1:8
ኤር. 6:24ህዝ 21:7
ኤር. 6:24ኤር 4:31
ኤር. 6:26ኤር 4:8
ኤር. 6:26ኤር 15:8
ኤር. 6:26ድጕ 1:2, 16
ኤር. 6:28ኢሳ 30:1፣ 48:4፣ ኤር 5:23
ኤር. 6:28ኤር 9:4
ኤር. 6:29ኤር 9:7፣ ህዝ 22:20
ኤር. 6:29ህዝ 24:13
ኤር. 6:30ኤር 14:19፣ ድጕ 5:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 6:1-30

ኤርምያስ

6 መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን የንጸላሉ ኣሎ እሞ፡+

ኣቱም ደቂ ብንያም፡ ካብ የሩሳሌም ርሒቕኩም ተዓቘቡ።

ኣብ ተቆዓ+ መለኸት ንፍሑ፣+

ኣብ ልዕሊ ቤት-ሃካሬም ምልክት ሓዊ ወልዑ!

 2 ጓል ጽዮን ከም ሓንቲ ጽብቕትን ተነቃፊትን ትመስል።+

 3 ጓሶትን መጓሰታቶምን ኪመጹ እዮም።

ነፍሲ ወከፎም ንመጓሰኦም እናኣብልዑ፡+

ኣብ ዙርያኣ ድንኳናቶም ኪተኽሉ እዮም።+

 4 “ክትዋግእዋ ተዳለዉ!*

ተንስኡ እሞ ብቐትሪ ነጥቅዓያ!”

“መዓልቲ ይመሲ፡

ጽላሎት ምሸት ድማ ይነውሕ ኣሎ እሞ፡ ወይለና!”

 5 “ተንስኡ እሞ ብለይቲ ነጥቅዓያ፣

እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ነፍርስ።”+

 6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦

“ዕንጨይቲ ቝረጹ፡ ንየሩሳሌም ዕርዲ ኸበባ ዀምሩላ።+

ተሓታቲት ክትከውን ዘለዋ ኸተማ እያ፣

ኣብ ውሽጣ ብዘይካ ጭቈና ኻልእ የልቦን።+

 7 ከምቲ መዕቘር ማይ ንማዩ ብዝሑሉ* ዜጽንሖ፡

ከምኡ ድማ ንሳ ንእከያ ብዝሑሉ* ተጽንሖ።

ዓመጻን ጥፍኣትን ኣብኣ ይስማዕ ኣሎ፣+

ሕማምን መዓትን ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ።

 8 ኣቲ የሩሳሌም፡ መጠንቀቕታ ስምዒ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ፈንፊነኪ ኻባኺ ኽምለስ እየ፣*+

ከባድመኪ፡ ነበርቲ ዘይብላ ምድሪ እውን ክገብረኪ እየ።”+

 9 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦

“ከምቲ ኣብ ተኽሊ ወይኒ ንዝተረፈ ናይ መወዳእታ ፍረ ወይኒ ዚገብርዎ፡ ንተረፍ እስራኤል ጠሪሶም ኪቕርምዎ እዮም።

ከምቲ ኻብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ወይኒ ዚኣሪ፡ ኢድካ መሊስካ ዘርግሕ።”

10 “ንመን ክዛረብን ከጠንቅቕን እየ፧

መንከ ኺሰምዕ እዩ፧

እንሆ፡ ኣእዛኖም ከየቕልባስ ተዓጽየን እየን።*+

እንሆ፡ ቃል የሆዋ ንዑቕ ኰይንዎም ኣሎ፣+

ብእኡ እውን ባህ ኣይብሎምን እዩ።

11 ስለዚ፡ ብነድሪ የሆዋ መሊአ ኣለኹ፣

ምሓዙ ድማ ኣድኪሙኒ ኣሎ።”+

“ኣብ ጐደና ኣብ ዘሎ ቘልዓ፡+

ብሓባር ኣብ እተኣከቡ ኣጕባዝ ክዓዎ።

ኵላቶም፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ፡

ኣረገውቲ ምስቶም ዕድሚኦም ዘእከሉ* ኺትሓዙ እዮም።+

12 ኣነ ኣንጻር ነበርቲ እታ ምድሪ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡

ኣባይቶምን ግራውቶምን ኣንስቶምን

ንኻልኦት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ”+ ይብል የሆዋ።

13 “ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘይግቡእ ረብሓ ይረክብ፣+

ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን፡ ነፍሲ ወከፍ ይዕምጽ።+

14 ሰላም ዘየልቦስ፡

‘ሰላም ኣሎ! ሰላም ኣሎ!’ እናበሉ+

ንመስበርቲ ህዝበይ ብቐሊሉ* ኼሕውዩ ይፍትኑ።

15 በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገር ይሓፍሩ ድዮም፧

ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም!

ውርደት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም!+

ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝወደቑ፡ ኪወድቁ እዮም።

ምስ ቀጻዕክዎም፡ ኪዕንቀፉ እዮም” ይብል የሆዋ።

16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ኢልኩም ርኣዩ።

ብዛዕባ እቲ ጥንታዊ መገድታት ሕተቱ፣

እታ ጽብቕቲ መገዲ ኣበይ ከም ዘላ ሕተቱ እሞ ብእኣ ተመላለሱ፣+

ንርእስኹም* ድማ ዕረፍቲ ርኸቡ።”

ንሳቶም ግና፡ “ብእኣ ኣይንመላለስን ኢና” ይብሉ።+

17 “ኣነ ድማ፡ ‘ናብ ደሃይ መለኸት ኣቕልቡ!’+

ዚብል ሓላዊ ሸምኩ።”+

ንሳቶም ግና፡ “ኣይነቕልብን ኢና” በሉ።+

18 “ስለዚ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ!

ኣቱም ኣኼባ፡

እንታይ ከም ዚዀኑ ፍለጡ።

19 ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ!

ንሳቶም ናብ ቃላተይ ኣየቕለቡን፡

ንሕገይ* ድማ ነጺጎምዎ እዮም እሞ፡

ከም ፍረ ሓሳቦም፡

ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት አምጽእ ኣለኹ።”+

20 “ጻዕዳ ዕጣን ካብ ሳባ፡

ጥዑም ቃንጫ* ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ምምጻእኪዶ የገድሰኒ እዩ፧

ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹም ኣይቅቡልን እዩ፣

መስዋእቲ ሕሩድኩም ባህ ኣየብለንን እዩ።”+

21 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“እንሆ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ መዐንቀፊ አንብረሉ ኣለኹ፣

ብእኡ ድማ ኣቦታትን ደቅን፡

ጐረቤትን ብጻይን፡

ሓቢሮም ኪዕንቀፉን

ኵላቶም ኪጠፍኡን እዮም።”+

22 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ምድሪ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ፣

ዓብዪ ህዝቢ ኸኣ ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺነቅሕ እዩ።+

23 ቀስትን መዝረቕን ይሕዙ።

ጨካናትን ምሕረት ዘይብሎምን እዮም።

ድምጾም ከም ባሕሪ ይሃምም።

ኣብ ኣፍራስ ድማ ይውጥሑ።+

ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ከም ተዋጋኢ ሰብኣይ ኣንጻርኪ ይስለፉ።”

24 ብዛዕባኡ ወረ ሰሚዕና ኢና።

ኣእዳውና ለሚሰን ኣለዋ፣+

ጭንቂ ሒዙና፡

ከም እትወልድ ሰበይቲ ቕልውላው ሒዙና ኣሎ።+

25 ጸላእስ ሰይፊ ኣለዎ፡

ሽበራ ድማ ኣብ ዙርያ ኣሎ እሞ፡

ናብ መሮር ኣይትውጽኢ፡

ብመገዲ ኸኣ ኣይትኺዲ።

26 ኣቲ ጓል ህዝበይ፡

ማቕ ተኸደኒ፡+ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ጠንቀላዕላዕ በሊ።

እቲ መጥፍኢ ብሃንደበት ኪመጸኪ እዩ እሞ፡+

ከም ንሓደ ወዳ ጌርኪ ብመሪር ዋይዋይታ ሕዘኒ፣+

27 “ኣብ መንጎ ህዝበይ መርማሪ ብረት፡

ኣጸቢቑ ዚፍትሽ ፈታሺ ገይረካ ኣለኹ፣*

መገዶም ከኣ ፍለጥን መርምርን።

28 ኵላቶም ነቓጻት፡+

እናዞሩ ዚሓምዩ እዮም።+

ከም ነሓስን ሓጺንን እዮም፣

ኵላቶም ብልሹዋት እዮም።

29 መናፍሕ ሓሪሩ ኣሎ።

ካብ ሓዎም ዓረር ወጺኡ።

ብኸንቱ ንምጽራይ ኣበርቲዕካ ተጻዒሩ፣+

እቶም ክፉኣት ከኣ ኣይተፈልዩን።+

30 የሆዋ ደርብይዎም እዩ እሞ፡+

ድርባይ ብሩር ኢሎም ብርግጽ ኪጽውዕዎም እዮም።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ