ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ምናሴ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-9)

      • ምናሴ ኻብ ክፍኣቱ ተነስሐ (10-17)

      • ሞት ምናሴ (18-20)

      • ኣሞን፡ ንጉስ ይሁዳ (21-25)

2 ዜና መዋእል 33:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:10
  • +2ነገ 21:1

2 ዜና መዋእል 33:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:2-6

2 ዜና መዋእል 33:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:1, 4
  • +ዘዳ 4:19፣ 2ነገ 23:5

2 ዜና መዋእል 33:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:11፣ 2ዜና 6:6
  • +2ነገ 16:10, 11

2 ዜና መዋእል 33:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:36፣ 7:12

2 ዜና መዋእል 33:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:8, 12፣ 2ነገ 16:1, 3፣ 23:10
  • +ዘሌ 19:26
  • +ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10, 11

2 ዜና መዋእል 33:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:6
  • +2ነገ 21:7-9፣ 23:27፣ 2ዜና 7:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2021፡ ገጽ 4

2 ዜና መዋእል 33:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:24፣ እያ 24:8፣ 2ነገ 21:11, 16

2 ዜና መዋእል 33:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16

2 ዜና መዋእል 33:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ጐዳጕዲ” ኪኸውን ይኽእል።

2 ዜና መዋእል 33:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኣምላኹ ኣፈሽሓወ።”

2 ዜና መዋእል 33:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:18
  • +ዳን 4:25

2 ዜና መዋእል 33:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:9፣ 2ዜና 32:2, 5
  • +2ዜና 32:30
  • +ነህ 3:3
  • +2ዜና 27:1, 3

2 ዜና መዋእል 33:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:1, 7
  • +2ነገ 21:1, 4, 5

2 ዜና መዋእል 33:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:18
  • +ዘሌ 3:1
  • +ዘሌ 7:12

2 ዜና መዋእል 33:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:12, 13
  • +2ነገ 21:2, 9
  • +2ነገ 21:3, 7

2 ዜና መዋእል 33:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:18, 19

2 ዜና መዋእል 33:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:10
  • +2ነገ 21:19-24

2 ዜና መዋእል 33:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:1, 2
  • +2ነገ 21:1, 7

2 ዜና መዋእል 33:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:12, 13
  • +ኤር 8:12

2 ዜና መዋእል 33:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:20፣ 2ዜና 25:27

2 ዜና መዋእል 33:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 25:1, 3
  • +2ነገ 21:25, 26

ሓፈሻዊ

2 ዜና 33:1ማቴ 1:10
2 ዜና 33:12ነገ 21:1
2 ዜና 33:22ነገ 21:2-6
2 ዜና 33:32ነገ 18:1, 4
2 ዜና 33:3ዘዳ 4:19፣ 2ነገ 23:5
2 ዜና 33:4ዘዳ 12:11፣ 2ዜና 6:6
2 ዜና 33:42ነገ 16:10, 11
2 ዜና 33:51ነገ 6:36፣ 7:12
2 ዜና 33:6እያ 15:8, 12፣ 2ነገ 16:1, 3፣ 23:10
2 ዜና 33:6ዘሌ 19:26
2 ዜና 33:6ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10, 11
2 ዜና 33:72ነገ 23:6
2 ዜና 33:72ነገ 21:7-9፣ 23:27፣ 2ዜና 7:16
2 ዜና 33:9ዘሌ 18:24፣ እያ 24:8፣ 2ነገ 21:11, 16
2 ዜና 33:102ዜና 36:15, 16
2 ዜና 33:13ኢሳ 1:18
2 ዜና 33:13ዳን 4:25
2 ዜና 33:142ሳሙ 5:9፣ 2ዜና 32:2, 5
2 ዜና 33:142ዜና 32:30
2 ዜና 33:14ነህ 3:3
2 ዜና 33:142ዜና 27:1, 3
2 ዜና 33:152ነገ 21:1, 7
2 ዜና 33:152ነገ 21:1, 4, 5
2 ዜና 33:162ዜና 29:18
2 ዜና 33:16ዘሌ 3:1
2 ዜና 33:16ዘሌ 7:12
2 ዜና 33:192ዜና 33:12, 13
2 ዜና 33:192ነገ 21:2, 9
2 ዜና 33:192ነገ 21:3, 7
2 ዜና 33:202ነገ 21:18, 19
2 ዜና 33:21ማቴ 1:10
2 ዜና 33:212ነገ 21:19-24
2 ዜና 33:222ዜና 33:1, 2
2 ዜና 33:222ነገ 21:1, 7
2 ዜና 33:232ዜና 33:12, 13
2 ዜና 33:23ኤር 8:12
2 ዜና 33:242ነገ 12:20፣ 2ዜና 25:27
2 ዜና 33:252ዜና 25:1, 3
2 ዜና 33:252ነገ 21:25, 26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 33:1-25

2 ዜና መዋእል

33 ምናሴ+ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 12 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 55 ዓመት ነገሰ።+

2 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+ 3 ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡+ ንበዓላት መሰውኢታት ኣቘመ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ገበረ፡ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።+ 4 ኣብታ የሆዋ፡ “ኣብ የሩሳሌም ስመይ ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ” ዝበለላ+ ቤት የሆዋ ኸኣ፡ መሰውኢታት ሰርሐ።+ 5 ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ኣብቲ ኽልተ ኣጸድ ቤት የሆዋ መሰውኢታት ሰርሓሎም።+ 6 ንኣወዳቱ ኸኣ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም ብሓዊ ኣሕለፎም፣+ ስሒር ገበረ፡+ ጠንቈለ፡ ኣስማት ገበረ፡ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ።

7 ነቲ ንሱ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ኸኣ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንበሮ፣+ ብዛዕባኣ ግና ኣምላኽ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን፡ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንሓዋሩ ኸንብር እየ።+ 8 ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዎም፡ ብዘሎ እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕግን ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም፡ ንኣእጋር እስራኤል ካብታ ንኣቦታቶም ዝመደብኩሎም ምድሪ መሊሰ ኣይከልግስን እየ” ኢሉ ነበረ። 9 ምናሴ ድማ ንይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ካብቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።+

10 የሆዋ ኸኣ ንምናሴን ንህዝቡን ይዛረቦም ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣየቕለቡን።+ 11 ሽዑ፡ የሆዋ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ኣሶር ኣንጻሮም ኣምጽአ፣ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብዓንቃሪቦታት ሓዝዎ፡* ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 12 ብጭንቁ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኹ ሞገስ ለመኖ፡* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱ እውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ። 13 ናብኡ ድማ ይጽሊ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ልማኖኡ ራሕርሓሉ፡ ነቲ ናይ ሞገስ ልማኖኡ ድማ ሰምዖ፡ ናብ የሩሳሌም ናብ ንግስናኡ እውን መለሶ።+ ሽዑ፡ ምናሴ፡ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጠ።+

14 ድሕርዚ፡ ንኸተማ ዳዊት+ ብምዕራብ ጊሖን+ ኣብቲ ስንጭሮ* ኽሳብ ኣፍ ደገ ዓሳ+ ናይ ወጻኢ መካበብያ ሃነጸ፣ ናብ ዖፌል+ ከኣ ኣዞሮ፡ ኣዝዩ እውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ኣሕሉቕ ሰራዊት ሸመ። 15 ካብ ቤት የሆዋ ኸኣ ጓኖት ኣማልኽትን ምስሊ ጣኦትን ኣርሓቐ፣+ ኣብቲ ኸረን ቤት የሆዋን ኣብ የሩሳሌምን ሰሪሕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣርሓቐ፣+ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ እውን ደርበዮ። 16 ነቲ መሰውኢ የሆዋ ኸኣ ኣዳለዎ፣+ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መስዋእቲ ሕብረትን+ መስዋእቲ ምስጋናን+ ሰውአ፣ ንይሁዳ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬገልግልዎ ኣዘዞም። 17 ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝቢ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ እዮም እምበር፡ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡ ነበሩ።

18 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሴ፡ እቲ ናብ ኣምላኹ ዝጸለዮ ጸሎትን ቃላት እቶም ብስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እተዛረብዎ ረኣይትን፡ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተመዝጊቡ ኣሎ። 19 ጸሎቱን+ ልማኖኡ ኸመይ ከም እተሰምዐን፡ ኵሉ ሓጢኣቱን ጥልመቱን፡+ በረኽቲ ዝሰርሓለንን ኣዕኑድ ኣምልኾን*+ ቅሩጽ ምስልታትን ዘቘመለንን ቦታታት፡ ኣብ ቃላት ረኣይቱ ተጻሒፉ ኣሎ። 20 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ቤቱ ኸኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ።+

21 ኣሞን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ነገሰ።+ 22 ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ ኣሞን ከኣ ንዅሎም እቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ቅሩጽ ምስልታት+ ይስውኣሎምን የገልግሎምን ነበረ። 23 ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘትሓተ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርእሱ ኣየትሓተን፣+ የግዳስ፡ ኣሞን ንበደሉ ኣዝዩ ኣብዝሖ። 24 ገላዉኡ ድማ ውዲት ኣለሙሉ+ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 25 ህዝቢ እታ ምድሪ ግና ንዅሎም እቶም ንንጉስ ኣሞን ውዲት ዝኣለሙሉ ቐተሎም።+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ