ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ውድቀት የሩሳሌም ተገልጸ (1-17)

        • እቲ እተላጸየ ጭሕሚ እቲ ነብዪ ኣብ ሰለስተ ተመቕለ (1-4)

        • የሩሳሌም ካብ ኣህዛብ ገደደት (7-9)

        • ዓለወኛታት ብሰለስተ መገዲ ተቐጽዑ (12)

ህዝቅኤል 5:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 63-65

ህዝቅኤል 5:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ዙርያኣ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:21፣ ህዝ 4:8
  • +ኤር 15:2
  • +ዘሌ 26:33፣ ህዝ 5:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 64-66

ህዝቅኤል 5:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብወሰን።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 64-65

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 12

ህዝቅኤል 5:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:4

ህዝቅኤል 5:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:46, 47

ህዝቅኤል 5:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:9, 11፣ ኤር 2:11

ህዝቅኤል 5:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:5፣ ህዝ 15:7
  • +ዘዳ 29:22, 24፣ 1ነገ 9:8፣ ድጕ 2:15

ህዝቅኤል 5:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 4:6፣ ዳን 9:12

ህዝቅኤል 5:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኵሉ ንፋስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:29፣ ኤር 19:9፣ ድጕ 4:10
  • +ዘሌ 26:33፣ ዘዳ 28:64

ህዝቅኤል 5:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከንእሰኪ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:3፣ 2ነገ 21:1, 7፣ 2ዜና 36:14፣ ኤር 32:34
  • +ድጕ 2:21፣ ህዝ 7:4

ህዝቅኤል 5:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሕማም።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኵሉ ንፋስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:12፣ 15:2፣ 21:9
  • +ዘሌ 26:33፣ ኤር 9:16፣ 42:16

ህዝቅኤል 5:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:42
  • +ዘጸ 20:3, 5፣ 34:14፣ ዘዳ 6:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 99-100

ህዝቅኤል 5:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:37፣ 1ነገ 9:7፣ ነህ 2:17

ህዝቅኤል 5:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 79:4፣ ኤር 24:9፣ ድጕ 2:15፣ 3:61, 62

ህዝቅኤል 5:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ በትሪ እንጌራኹም ብምስባር።” እንጌራ ንምንባር ዜገልግል በትሪ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:23
  • +ዘሌ 26:26፣ ህዝ 4:16

ህዝቅኤል 5:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:22፣ ዘዳ 32:24፣ ህዝ 14:21፣ 33:27
  • +ህዝ 21:3

ሓፈሻዊ

ህዝ. 5:2ኤር 9:21፣ ህዝ 4:8
ህዝ. 5:2ኤር 15:2
ህዝ. 5:2ዘሌ 26:33፣ ህዝ 5:12
ህዝ. 5:4ኤር 4:4
ህዝ. 5:6ህዝ 16:46, 47
ህዝ. 5:72ነገ 21:9, 11፣ ኤር 2:11
ህዝ. 5:8ኤር 21:5፣ ህዝ 15:7
ህዝ. 5:8ዘዳ 29:22, 24፣ 1ነገ 9:8፣ ድጕ 2:15
ህዝ. 5:9ድጕ 4:6፣ ዳን 9:12
ህዝ. 5:10ዘሌ 26:29፣ ኤር 19:9፣ ድጕ 4:10
ህዝ. 5:10ዘሌ 26:33፣ ዘዳ 28:64
ህዝ. 5:11ዘሌ 20:3፣ 2ነገ 21:1, 7፣ 2ዜና 36:14፣ ኤር 32:34
ህዝ. 5:11ድጕ 2:21፣ ህዝ 7:4
ህዝ. 5:12ኤር 14:12፣ 15:2፣ 21:9
ህዝ. 5:12ዘሌ 26:33፣ ኤር 9:16፣ 42:16
ህዝ. 5:13ህዝ 16:42
ህዝ. 5:13ዘጸ 20:3, 5፣ 34:14፣ ዘዳ 6:15
ህዝ. 5:14ዘዳ 28:37፣ 1ነገ 9:7፣ ነህ 2:17
ህዝ. 5:15መዝ 79:4፣ ኤር 24:9፣ ድጕ 2:15፣ 3:61, 62
ህዝ. 5:16ዘዳ 32:23
ህዝ. 5:16ዘሌ 26:26፣ ህዝ 4:16
ህዝ. 5:17ዘሌ 26:22፣ ዘዳ 32:24፣ ህዝ 14:21፣ 33:27
ህዝ. 5:17ህዝ 21:3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 5:1-17

ህዝቅኤል

5 “ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም መላጸ ላጻዪ ኽትጥቀመሉ በሊሕ ሰይፊ ንዓኻ ውሰድ። ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸ፣ ነቲ ጸጕሪ ኽትመዝኖን ክትመቕሎን ከኣ ሚዛን ውሰድ። 2 መዓልትታት ከበባ ምስ ተፈጸማ፡ ሲሶኡ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ኣንድዶ።+ ሲሶኡ ወሲድካ ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ* ብሰይፊ ውቕዓዮ፣+ ሲሶኡ ኸኣ ንንፋስ ፋሕ ኣብሎ፣ ኣነ እውን ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ ኽመልሕ እየ።+

3 “ካብኡ ሒደት ዝቝጽሩ ውሰድ እሞ ብዕጻፍ* ክዳንካ ጠቕልሎ። 4 ገለ ኻብኡ ወሲድካ ድማ ናብ ሓዊ ደርብዮን ኣንድዶን። ካብዚ ኸኣ ሓዊ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ኪዝርጋሕ እዩ።+

5 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዚኣ የሩሳሌም እያ። ሃገራት ኣብ ዙርያኣ ገይረ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣንበርክዋ። 6 ንሳ ግና ካብ ኣህዛብን ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዘለዋ ሃገራትን ዝገደደ እከይ ብምግባር፡ ካብ ፍርድታተይን ሕግታተይን ዓለወት።+ ንሳቶምሲ ፍርድታተይ ነጺጎም እዮም፣ ብሕግታተይ እውን ኣይመላለሱን እዮም።’

7 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ዝገደደ መሸገርቲ ብምዃንኩምን ብሕግታተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርድታተይ ስለ ዘይፈጸምኩምን፡ የግዳስ ፍርድታት እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ብምስዓብኩም፡+ 8 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቲ ኸተማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርኪ እየ፣+ ኣብ ማእከልኪ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ድማ ኣነ ባዕለይ ፍርዲ ኽፍጽም እየ።+ 9 ብሰሪ ዅሉ ፍንፉን ተግባራትኪ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ ዘይፈልጥ፡ ደጊም እውን ዘይገብሮ ነገር ኣባኺ ኽገብር እየ።”+

10 “‘“ስለዚ፡ ኣብ መንጎኺ ዘለዉ ኣቦታት ንደቆም ኪበልዑ፡+ ደቂ እውን ንኣቦታቶም ኪበልዑ እዮም፣ ኣብ መንጎኺ ፍርዲ ኽፍጽም፡ ካባኺ ዝተረፉ ዅሎም እውን ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ።”’+

11 “‘ስለዚ፡ ብዅሎም ጽዩፋት ጣኦታትክን ብዅሉ ፍንፉን ተግባራትክን ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ፡+ ከምቲ ህያው ዝዀንኩ፡ ኣነ እውን ክድርብየኪ እየ፡* ዓይነይ ከኣ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ ድማ ኣይክርሕርሕን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 12 ‘ሲሶኺ ብለበዳ* ኺሞቱ ወይ ኣብ ማእከልኪ ብጥሜት ኪውድኡ እዮም። ሲሶኺ ኸኣ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ ንሲሶኺ ድማ ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ፣ ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ እውን ክመልሕ እየ።+ 13 ሽዑ፡ ቍጥዓይ ኪውዳእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎኒ ነድሪ እውን ኪዝሕል፡ ሃናይ እውን ከውጽእ እየ።+ ነድረይ ኣባታቶም ፈንየ ምስ ወዳእኩ፡ ኣነ የሆዋ ንበይነይ ተወፋይነት ብምድላየይ+ ከም እተዛረብኩ ኺፈልጡ እዮም።

14 “‘ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉ ኣህዛብን ኣብ ኣዒንቲ ዅሉ ሓላፍ መገድን፡ ባድምን መጻረፍን ክገብረኪ እየ።+ 15 ብቝጥዓን ብነድርን ብብርቱዕ መቕጻዕትን ኣባኺ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ኣብ ዙርያኺ ንዘለዉ ኣህዛብ መጻረፍን መስተናዓቕን መለበምን መሰክሕን ክትኰኒ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።

16 “‘ከጥፍኦምሲ፡ ዚቐትል ፍላጻታት ጥሜት ክሰድደሎም እየ። እቲ ዝሰድዶ ፍላጻታት ኬጥፍኣኩም እዩ።+ ቀረብ ምግብኹም ብምቍራጽ፡* ነቲ ጥሜት ከግድዶ እየ።+ 17 ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ክሰድደልኩም እየ፣+ ንዓኺ እውን ደቅኺ ኼስእኑኺ እዮም። ለበዳን ምፍሳስ ደምን ኪውሕጠኪ እዩ፣ ሰይፊ እውን ከምጽኣልኪ እየ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ